ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ክልል ኦሮሚያ ሎሚ እውን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ቀጺሉ'ሎ


ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ክልል ኦሮሚያ ሎሚ እውን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ይቕጽል ከምዘሎ ዝበጽሐና ዜና ሓቢሩ።በመሰረት ዝበጽሓና ዜና ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዳማን ኣብ ምብራቕ ሃረርጌን ተቓውሞ ከምዝተኻየደን ነቲ ኣድማ ንምብታን ሓይልታት ምክልኻል ኣብ ልዕሊ ተሰልፍቲ መጥቓዕቲ ፈጺሞም።

ሎሚ ንጉሆ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣዳማ ኣብ ዙሪያ ኣዲስ ኣበባ ማስተር ፕላን ኣዲስ ኣበባ ብምቅዋሞም ሰልፊ ምክያዶም ሓደ ተማሃራይ ንድምጺ አሜሪካ ገሊጹ’ሎ።

እቲ ተማሃራይ ብተወሳኺ ብዛዕባ’ቲ አብቲ ዩኒቨርሲቲ ዝነበረ ኩነታት ከምዚ ኢሉ’ሎ። ‘ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዳማ ሎሚ መዓልቲ ዓብዪ ረብሻ ነይሩ።ፖሊስ ብዘይተፈልጠ ኩነታት ናብ ቀጽሪ’ቲ ዩኒቨርሲቲ ሰይሮም ብምእታው ንተማሃሮ የባርሩ ነይሮም።ጥይትን ዘንብዕ ጋዝን ብምትዃስ ንተማሃሮ ይብትኑ ነይሮም ምክንያቱ ድማ ጉዳይ መንነት፣ጉዳይ መሬትን ማስተር ፕላንን እዩ ነይሩ።’

ካብ 150 ንላዕሊ ዝኾኑ ተማሃሮ ምእሳሮም ዝገለጸ እዚ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ተማሃራይ ንሱ ዝፈልጦም ኣሽማት ዘርዚሩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ክልል ኦሮሚያ ሎሚ እውን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ቀጺሉ'ሎ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:13 0:00

XS
SM
MD
LG