ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ቡኔ  በደሌ ዝተኻየደ ተቓውሞ ናብ ግጭት ብምዕራጉ 12 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ቡኖ በደሌ ሓሙሽተ ወረዳታት ተቓውሞታት መልክዖም ቀይሮም ኣብ መንጎ ተወለድቲ እቲ ከባቢን ተወለድቲ ዘይኮኑን መጥቓዕቲ ምፍፃሙ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝተረኽቡ መረዳእታታት ይሕብሩ ኣለው።

ናይቲ ዞባ ምምሕዳር ከምዝገለፁዎ በቲ ግጭት 12 ሰባት ተቐቲሎም ኣለው።14 ሰባት ከምዝቖሰሉን 52 መንበሪ ኣባይቲ ከምዝተቓፀሉን ልዕሊ 1500 ሰባት ካብ መንበሪኦም ከምዝተመዛበሉን ተፈሊጡ’ሎ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ዝተዘርግሑ ምስልታት ካብ ካልእ ሃገር ዝተወስዱ እዮም ክብሉ ሰበስልጣን እቲ ክልል ገሊፆም ኣለው።

ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ ከምዝገለፁዎ ኣብ ከተማ በደሌ ዝነበረ ሰላማዊ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ መልክዑ ቀይሩ ናብ ግጭት ከምዝዓረገ ኣብ 1977 ዓ.ም ብዝነበረ ድርቂ ናብቲ ከባቢ ዝመፀን ሽሙ ክግለፀሉ ዘይደለየን ውልቀሰብ ይገልፅ።ናብ ግጭት ከመይ ከምዝዓበየ እውን ከምዚ ክብል የረድእ።

“እቲ ግጭት ክጅምር ከሎ ናይቲ ከባቢ ተወለድቲ ናይ ኦሮሞ መሰል ይከበር ዝብል ሰልፊ ጀሚሮም ፀኒሖም ካብ ካልእ ከባቢ ናይ ዝመፁ ኣባይቲ እምኒ ብምድርባይ፣ንብረቶምን ኣባይቶም ብምዝራፍ፣ንዓታቶም እውን ሰጊጎምዎም።ኣብ ልዕሊኡ ድማ ብዝሓዝዎ ስጉምትታት ብምውሳድ ብዙሕ ሰብ ተጎዲኡ’ሎ።”

እቲ ነባራይ እዚ ኩሉ እዋን ኣብዚ ክነብር ከምዚ ዝበለ ርእዩ ከምዘይፈልጥ ይገልፅ ።

ሓላፊ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ዞባ ቡኖ በደሌ ኣቶ ለይኩን ተካልኝ በቲ ግጭት ህይወት ሰባት ምጥፍኡ ኣረጋጊፆም ኣለው።

“12 ሰባት ዝሞቱ ከምዘለው እዩ ኣብ ኢድና ዝኣተወ መረዳእታ።ኣስታት 52 ኣባይቲ ተቓፂሎም፤ኣብ ልዕሊ ንብረት እውን ጉድኣት ወሪዱ’ሎ።ዝተመዛበሉ ሰባት ኣስታት 1500 እዮም።ዝተመዛበሉ ሰባት ናብ መንበሪኦም ንምምላስ ዝለዓለ ፃዕሪ ይካየድ ኣሎ።”

ኣቶ ለይኩን ሕዚ ኩነታት ናብ ምርግጋእ ከምዝተመልሱን ዝተመዛበሉ እውን ናብ መንበሪኦም ንምምላስ ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎን ሓቢሮም።ዝሞቱን ዝቖሰሉን ናይ ዝተፈላለዩ ብሄራት ዝኾኑ ነበርቲ ምዃኖም ናይ ክልል መንግስታትን ነበርትን ገሊፆም ኣለው።

ሓላፊ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ክልል ኣምሓራ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ኣብዚ ቦታ መጥቓዕቲ ተፈፂሙዎም ዝተበሃሉ ከባቢታት ናይ ኣምሓራ ክልል ተወለድቲ ብምህላዎም ብሓፈሻ ጉዳይ ሃገር ስለዝኾነ የተሓሳስበና እዩ ኢሎም።

“ብሓፈሻ ዝረኸብናዮም ሓበሬታ ነንባዕሎም ዝሳነዩን ሓቅን እዮም።መጀመርያ እቲ ኩነታት ክጅምር ከሎ ናይ ብሄር ግጭት ከምዘይነበረ፣ብሄር መሰረት ዝገበረ ዘራፅም ዝኾነ ይኹን ምኽንያት ከምዘየለ ግን ኣብ ከይዲ ናብኡ ዘምርሕ ምልክት ዘለዎን ናይቲ ክልል መንግስቲ ኣበርቲዑ ይሰርሕ ከምዘሎን ብኣና ወገን እውን ምክትታል ንገብር ኣለና።ናይቲ ክልል መንግስቲ ንዝገብሮ ፃዕሪ ብወገና ሓገዝ ክንህብ ከምዝኾናን ኣብ ጎኖም ከምዘለናን ገሊፅና ኣለና።”

ክልቲኦም ሓለፍቲ መንግግቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ይዝርግሑ ዝነበሩ ምስልታት ቅድሚ ሎሚ ኣብ ካልእ ሃገር ካብ ዝተፈፀሙ ዝተወስዱ እዮም ክብሉ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም ኣለው።

ኣብዚ ሰዓት እዚ ዝለዓለ ናይ ምርግጋእ ስራሕ ይስራሕ ምህላዎ’ውን ገሊፆም።እቲ ሕብረተሰብ እውን ነንባዕሉ ካብ ዘጋጭው ነገራት ክዕቀብ መኺሮም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG