ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋሽንግተን ዲሲ፡ ንዳግማይ እገዳ መገሻ ፕረዝደንት ትራምፕ ብምቅዋም ሰልፊ ተኻይዱ


ዋሽንግተን ዲሲ፡ ንዳግማይ እገዳ ፕረዝደንት ትራምፕ ብምቅዋም ሰልፊ ተኻይዱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:33 0:00

ዋሽንግተን ዲሲ፡ ንዳግማይ እገዳ ፕረዝደንት ትራምፕ ብምቅዋም ሰልፊ ተኻይዱ

ፈደራላዊ ዳኛ ክፍለ ግዝኣት ሜሪላንድ ቲዮደር ቻንግ ብፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ንካልኣይ ጊዜ ዝሓለፈ እገዳ መገሻ ካብ ሽዱሽተ ዝበዝሓ ካብ ህዝበን ኣመንቲ እስልምና ዝኾነ ሃገራትን ሰሜን ኮርያን ከምኡ’ውን ሰበ ስልጣን ቬንዝዋላን ናብ ኣሜሪካ ከይኣትው ዝእግድ እገዳ ደው ከምዘበልዎ ተገሊጹ።

እቶም ዳኛ እቲ እገዳ ንተኸተልቲ እምነት እስልምና ዝኾነ ሃገራት ዒላማ ዝገብረ’ዩ ብምባል ደው ከምዘበልዎ ተፈሊጡ’ሎ።

ነዚ ካልኣይ እገዳ መገሻ ፕረዝደንት ትራምፕ ብምቅዋም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ትማሊ ኣብ ኣፍደገ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ምክያዶም ተፈሊጡ’ሎ።

እቶም ሰልፈኛታት ቀጺሎም ናብ ትራምፕ ኢንተርናሽናል ሆቴል ከምዘምርሑ ተገሊጹ’ሎ።

ፈደራላዊ ዳኛ ክፍለ ግዝኣት ሃዋይ ዴሪክ ዋትሶን እውን ነቲ እገዳ ሶሉስ 17 ጥቅምቲ,2017 ከምዝቓወምዎ ገሊጾም እዮም።

ፕረዝደንት ትራምፕ ምስ ኣብያተ ፍርዲ እታ ሃገር ብምቅላስ ነቲ ዝመሓየሸ እገዳ መገሻ ን90 መዓልታት ክትግበር እንተተፈቕደ’ኳ እቲ ናይ ጊዜ ገደብ ዝሓለፈ ወርሒ ብምብቕዑ ነዚ ካልኣይ እገዳ ምውሳኑ ይፍለጥ።

ቤተ መንግስት ዋይት ሃውስ ነቲ ተቓውሞ ዳኛታት ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ከምዝስዕሮ ይገልጽ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG