ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ወረዳታት ስማዳን ደባርቅን ዝተረጋግአ ኩነታት ከምዘየለ ተገሊጹ


ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ጎንደር ብፍላይ ድማ ኣብ ወረዳታት ስማዳን ደባርቅን ሎሚ እውን ዝተረጋግአ ኩነታት ከምዘየለ ይግለፅ ኣሎ።

ኣብ ከተማ ደባርቅ ሎማዕንቲ ኣርባዕተ ሰባት ከምዝተቐትሉን ካልኦት እውን ከምዝቖሰሉን ከምኡ እውን ሸውዓተ ኣባይትን ከምዝተቓፀሉ ነባሪ ከተማ ደባርቅ እየ ዝበሉ ሓደ ንመሳርሕትና ኣዲሱ ኣበበ ገሊፆምሉ ኣለው።

ኣብ ስማዳ ድማ መንግስቲ ኣዋፊሩዎም ዝተብሃሉ ምልሺያታት ካብታ ከተማ ክወፁን ዓበይቲ ዓዲ ምስ እቲ ምምሕዳር ይዘራረቡ ከምዘለው ቪኦኤ ዘዘራረቦም ገሊፆም ።

ኣብ ከተማ ደባርቅ ሎማዕንቲ ብዛዕባ ዝነበረ ግጭትን ዝበፅሐ ሞትን ዕንወትን ሓደ ሽሞም ክግለፀሎም ዘይደለዩ ካብ ከተማ ደባርቅ ከምዚ ክብሉ ገሊፆም ኣለው።

ንሶም: " ሎማዕንቲ ኣብ ደባርቅ ኣርባዕተ ሰባት ሞይቶም ኣለው።ዕጡቓት ቀጥታ ናብቲ ህዝቢ ብምትዃስ ብዙሕ ህዝቢ ተቐቲሉ’ሎ።ብዙሓት ዝቖሰሉ እውን ኣለው። ናብ ሆስፒታል ጎንደር መፂኦም ኣለው።ኣነ ባዕለይ ብኣካል ከይደ ሪአዮም እየ። ህዝቢ ኣብ መንገዲ እናተጉዓዙ ከለው እዮም ብጥይት ዝተቐትሉ።መንበሪ ገዛውቲ እቲ ከንቲባን ሓላፊ ቢሮ ሚሊሺያን ሓዊሱ ናይ ብዙሓት ኣባላት ኣመራርሓ ገዛውቲ ብድምር ሸውዓተ ኣባይቲ ተቓፂሎም ኣለው" ኢሎም።

ንቶም ኣባይቲ ዘቃፀሎ ህዝብን መናእሰይን እዮም ኢሎም ኣለው።ካብ ምምሕዳር እቲ ከባቢ መብርሂ ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ ኣይሰለጠን።

ብኻሊእ ዜና ፀጥታ ከተማ ስማዳ ንምሕላው ብዝብል ካብ ዝተፈላለዩ ናይ ገጠር ዓድታት ዝመፁ ዕጡቓት ሚሊሽያታት ካብታ ከተማ ይውፅኡልና ክብሉ ዓበይቲ ሽማግለታት እታ ከተማ ጥርዓን ኣቕሪቦም ምስቲ ምምሕዳር ዝርርብ ይካየድ ከምዘሎ ኣባል እቲ ሽማግለ እየ ዝበሉን ሽሞን ክግለፀሎም ዘይደለዩን ሰብ ይገልፁ።

ንሶም: "እዞም ሰባት እዚኦም ካብ ስማዳ ዘይወፁ እንተድኣ ኮይኖም ካብ ናቶም ዝሓሸ ብረት ተዓጢቕና ስለዘለና ብረትና ተዓጢቕና ሰልፊ ክንወፅእ ኢና ብዝብል እዮም ሕቶ ኣቕሪቦም"ኢሎም።

እቶም ዕጡቓት በብማዕልቱ ሓደ ምእቲ ቕርሺ እናተኸፈሎም ንወገኖም እናቐተሉ ስለዝርከቡ እዩ ክብሉ ይገልፁ።ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ዝዝቢ ኣይንትኩስን ስለዝበሉ መንግስቲ ኣብ ማዕልቲ ሓደ ምእቲ ቕርሺ እናኸፈለ ዘዋፈሮም ናይ ገጠር ዕጡቓት እዮም ኢሎም ብምውሳኽ እዞም ሽሞም ዘይገለፁ ነባሪ።

እዞም ዕጡቓት እዚኦም ኣብ ዝሓለፈ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ንሰባት ብጭካነ ዝቐተሉ እዮም ኢሎም ይዛረቡ ብምስዓብ።

" ብዝገርም ኣገባብ መብዛሕቲኦም ኣብ ዝሓለፈ ዝተቐትሉ ይኹን ዝቖሰሉ እናሃደሙ ብድሕሪት እዮም ተወቒዖም።ንዝሃድም ዘሎ ሰብ እዮም ዝወቕዑ ዘለው " ድማ ኢሎም።

ካብቲ ሕብረተሰብ ዝተዋፅኡ ሰባት ካብ ትማሊ ጀሚሮም ምስ ኣባላት ካብኔ እታ ወረዳ እናተዘራረቡ ምዃኖምን መርገፂ እቲ ምምሕዳር ግን ንቶም ዕጡቓት ኣይነውፅኦም ዝብል ከምዝኾነን ወሲኾም ሓቢሮም።

ብዛዕባ እዚ መልሲ እቲ ምምሕዳር ወረዳን ከምኡ እውን ካብቲ ክልል መብርሂ ንምርካብ ዝገበርኩዎ ፈተነ ኣይሰለጠንን ይብል መሳርሕትና ኣዲሱ ኣበበ።

ኣብ ወረዳታት ስማዳን ደባርቅን ዝተረጋግአ ኩነታት ከምዘየለ ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:09 0:00

XS
SM
MD
LG