ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሬሳ 6 ጅሆ ተታሒዞም ዝነበሩ እስራኤላዊያን ተረኺቡ፡ እስራኤላዊያን ተቓውሞኦ የስምዑ


ተቓውሞ እስራኤላዊያን ድሕሪ ምርካብ ሬሳ ጅሆ ተታሒዞም ዝነበሩ
ተቓውሞ እስራኤላዊያን ድሕሪ ምርካብ ሬሳ ጅሆ ተታሒዞም ዝነበሩ

ኣብ ደቡባዊ ቓዛ ኣብ ሓደ ገለርያ ሬሳታት ዝተቐትሉ ሽዱሽተ ጅሆ ተታሒዞም ዝነበሩ እስራኤላውያን ድሕሪ ምርካቡ እስራኤላውያን ዝተሰመዖም ስንባደን ሕርቃንን ገሊፆም። ገለ መንግስቲ እስራኤል ቅድም ኢሉ ምስ ሓማስ ኣብ ስምምዕ ምቁራፅ ተፃብኦ ብዘይምብፅሑ ተሓታቲ ጌሮሞ’ለዉ። ናይ እስራኤል ዝዓበየ ማሕበር ሰራሕተኛታት ድማ መንግስቲ እስራኤል ውዕል ክሳብ ዝፍርም ካብ ሎሚ ሰኑይ ጀሚሩ ሓፈሻዊ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ከምዝጅመር ኣፍሊጡ’ሎ።

ኣብታ ሃገር ዝተጸውዓ ሓፈሻዊ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ንምዕጻው ቀንዲ መዓርፎ ነፈርቲን ሓዊሱ ኣብታ ሃገር ምትዕንቃፋት ኣገልግሎት ክፍጠር ጌሩ’ሎ።

ባንክታት ገለ ዓበይቲ ኣብያተ-ንግዲ፡ ኣብያተ-ጽሕፈት መንግስቲን ብሰንኪ’ቲ ኣድማ ክዕፀዉ ከለው ህዝባዊ መጉዓዝያ ከኣ ኣዝዩ ውስን ኮይኑ’ሎ።

ከም ኣብ ቴል-ኣቪቭ ዝበላ ህዝቢ ዝበዝሓለን ዓበይቲ ከተማታት ዝርከቡ ስራሕተኛታት ምምሕዳራት ከተማታት ኣብቲ ኣድማ ብምስታፎም ኣብያተ ትምህርቲ ሰዓታት ስርሓን ክንክያን ጀመርቲ ትምህርቲ ቆልዑ ዝምህራን መውዓሊ ህፃናት ክዕፀዋ ኣገዲዱ’ሎ።

እቲ ኣድማ ክግበር ዝተፀወዓ ብመራሒ ፌደሬሽን ማሕበር ሰራሕተኛ እስራኤል’ዩ።

ኣብ ከተማታት የሩሳኤም፡ ቴል-ኣቪቭ ካልኦት ከተማታትን እስራኤል ክሳብ ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ዝተረኽበሉ’ዩ ዝተባህለ ሰልፍታት ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንያሚን ኔታንያሁ ነቶም ዝተረፉ 101 ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ንኽምለሱ ዝያዳ ጻዕሪ ክገብሩ ሓቲቶም’ለዉ። ሰበ-ስልጣን እስራኤል ካብዚኣቶም ሓደ ሲሶ ዝኾኑ ሞይቶም ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም ክብሉ ይግምቱ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG