ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህንዲ፡ ንቕትለት ጋዜጠኛ ብምቅዋም ሰልፊ ተኻይዱ


 ኣብ ዝኽሪ ዝተቐትለት ጋዜጠኛ ዝተወስደ
ኣብ ዝኽሪ ዝተቐትለት ጋዜጠኛ ዝተወስደ

ኣብ ህንዲ 55 ዓመት ዝዕድሚኣ ጋዜጠኛ ጋውሪ ላንከሽ ትማሊ ሶሉስ ኣብ ከባቢ መንበሪ ገዝኣ ብጥይት ምስተቐንፀለት ጋዜጠኛታትን ተሓለቕቲ ሲቪል ማሕበረሰባትን ኣብ ዓበይቲ ከተማታት እታ ሃገር ሎሚ ሶሉስ ናይ ተቓውሞ ሰፍልታት ኣካይዶም።

እታ ፍልጥቲ ጋዜጠኛ ኣብ ልዕሊ ናይ ህንዲ ፖለቲካዊ ሃገራውነት ግልፂ ነቔፈታ ብምቕራብ ትፍለጥ ነይራ።ቀተልቲ ነብሲ ብሞተር ብሽክሌታ ብምጥቃም ትማሊ ሰሉስ ምሸት ኣብ ማእኸል ንግዲ ዝኾነ ቦታ በንጋሉሩ ቀቲሎምዋ።

ናይ ተቓውሞ ድምፂ ንምዕፋን ዝተገብረ ቕንፀላ እዩ ክብሉ መራኽእቢ ብዙሃን ናይ ነቐፌታ ማዕበል ይውሕዙ ኣለው።ሰልፈኛታት እውን እናዓበየ ይኸይድ ዘሎ ፖለቲካዊ ኣፈላላያት ብሓይልን ህውከትን ናብ ምፍታሕን ዘይምክእኣልን ክብሉ ኮኒኖምዎ ኣለው።

XS
SM
MD
LG