ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሮፈሰር የማነ ገብረ እግዚአብሄር፡ ' ብሓባር ኹልና ንስቃይ'ቶም ኣብ በረኻ ሲና ዘለው ነቃላሓሎም' ይብል


ኻብ በረኻታት ሲና-ግብፂ ብርቱዕ ኣውያት ስቃይ እቶም ኣብ ኢድ ገበነኛታት ነጋዶ ዝወድቁ ዘለው ኤርትራውያን ክስማዕ ከም ዝፀንሐን ገና'ውን ይስማዕ ከም ዘሎ ዝሰሓት አይኮነን።

ልብን ኮላሊትን መንእሰያት ናብ ዕዳጋ ይወርድ አሎ ዝብል ኣውያት። ካብ መንጎ'ዞም ኣብ ኢድ ገበነኛታት ነጋዶ ዝወድቁ ዘለው መንእሰያት ኤርትራውያን ይርከብዎም።

ብዛዕባ እቲ ሰቆቃ ናብቲ ቦታ ብምጉዓዝ ዝተፈላለዩ ዓለም- ለኸ መሓውራት ዜና ፀብፂቦም'ዮም።

ዝተፈላለዩ ማሕበራትን ግዱሳት ኤርትራውያን'ውን ብዛዕብኡ ዓለም ቆላሕታን ፍታሕን ክገብረሉ ክንቀሳቀሱ ፀኒሖምን ገና'ውን ይንቀሳቀሱን አለው።

ምሁር ዓለም-ለኸ ርክባት ዝኾነን ኣብ አሜሪካ ክፍለ ግዝአት ኒውጀርሲ ዝነብርን ኣብኡ ኣብ ዝርከብ ዊልያምስ በርግ ዩኒቨርስቲ መምህር ፕሮፈሰር የማነ ገብረእግዚአብሄር "እንታይ ኣገደሰኒ ኢልካ ተዓዛቢ ኮንካ ምርአይ ታሪኽናን መንነትናን አይኮነን" ይብል።

ፕሮፈሰር የማነ ገብረእግዚአብሄር ብተወሳኺ "ንዕለት ጥሪ (January)-14-2012 ኣብ ቅድሚ ናይ ግብጺ U.N. Mission, corner of 44th St. & 2nd Ave. N.Y.C., N.Y. ካብ ሰዓት 1130 am.-1:30 pm. መንግስቲ ግብጺ እዚ ኣብ መሬቱ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝፍጸም ዘሎ ዓቀን ዘይብሉ ኣረመናዊ ግፍዒ ጠጠው ንኸብሎ ስላማዊ ስልፊ ክንገብር ተበጊሰ አለኹ’ ሞ፡ ንዓኻትኩም ንክቡራት ኤርትራውያን ብህዝብናን ሃገርናን ተገዲስና ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ ብሓንሳብ ንኽንውዕል ይዕድም" ክብል መፀዋዕታ አቅሪቡ'ሎ።

ምሉእ ትሕዝትኡ ንምስማዕ ናብ ምልክት ድምፂ ብምኻድ ጠውቁ

XS
SM
MD
LG