ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውዕል ኣባይ ቅድሚ ምትግባሩ ናብ ህዝቢን ኪኢላታትን ይቅረብ ይብል ፓርቲ መድረክ


Beyene Petros
Beyene Petros

መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ግብፅን ሱዳንን ኣብ ካርቱም ዝኸተሞ ውዕል፣ቅድሚ ምትግባሩ ብህዝቢን ብኪኢላታትን ክምከረሉን ኣብ መወዳእታ ብፓርላማ ክሓልፍን ይግባእ ኢሎም ኣቦ-መንበር ፓርቲ መድረክ።

ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣለዎ ዝብሉ ምግቡዕባዓትን መፈራርሒን ይስማዓሉ ዝነበረ ጊዜ ተሓሊፉ፣ሎሚ ዘለው መራሕቲ ግብፂ እቲ ምስሕሓብ ብሰላም ንክፍታሕ ምውሳኖም ዝድገፍ’ዩ።መድረክ’ውን ዝቅበሎ’ዩ ኢሎም።

መርገፂ መድረክ ይብሉ ፕሮፈሰር በየነ ጴጥሮስ፣ፓርቲ መድረክ እቲ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተገብረ ውዕል ኣልጀርስ ንረብሓ ኢትዮጵያ ስለዘየረጋግፅ ዳግም ክራኣይ ኣለዎ ዝብል መርገፂ ከምዝሓዘ ጠቂሶም።

ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣጥሊሎም ዘየፅንዕዎ ውዕል ሰለስቲኤን ሃገራት ገለ ስግኣታት ኣለውኒ ዝበሉ ፕሮፈሰር በየነ፣ኣብ ጉዳይ ምምሕዳር’ቲ ግድብ ዝርዝር ንሉኣላዊነት ዝትንክፍ ዝመስል ነጥቢታት ሒዙ’ሎ፣ንኣብነት ነቲ ግድብ ከመይ ነማሕድሮ? ዝብል ነጥቢ’ውን ሒዙ’ዩ ምስበሉ፣

ፕሮፍሰር በየነ ጴጥሮስ መስርሕ ልዝብ ኢትዮጵያ፣ግብፅን ሱዳንን ኣብ መስርሕ ምብፅሑ ቅቡል’ዩ።ፓርተይ መድረክ’ውን ምስ’ዚ ዝፃባእ ኣይመስለንን።እቲ ዋና ቁም-ነገር ኢትዮጵያ ናብ ሃገራዊን ህዝባዊን ረብሓታት ኣሕሊፉ ዘይህቡ ዓበይቲ ውዕላት’ያ ክትስዕብ ዘለዋ ንዝብል ነጥቢ ከጉልህ ይደሊ ኢሎም።

please wait

No media source currently available

0:00 0:03:54 0:00

XS
SM
MD
LG