ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“መንግስቲ ኣብታ ሃገር ንዝፈጠሩ ጸገማትን ህዝባዊ ጠለባትን ብእዋኑ ምላሽ ኣይህበሉን’ዩ” ፕሮ. በየነ ጴጥሮስ


መራሒ ተቓዋሚ ፓርቲን አባል ፓርላማ ነበር ፕሮፌሰር በየን ጴጥሮስ
መራሒ ተቓዋሚ ፓርቲን አባል ፓርላማ ነበር ፕሮፌሰር በየን ጴጥሮስ

መንግስቲ ኣብታ ሃገር ንዝፈጠሩ ጸገማትን ህዝባዊ ጠለባትን ብእዋኑ ምላሽ ኣይህበሉን’ዩ ክብሉ መራሒ ተቓዋሚ ፓርቲን አባል ፓርላማ ነበር ፕሮፌሰር በየን ጴጥሮስ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃለ መጠይቕ ገሊጾም። ንሶም ብተወሳኺ ጎንጽታት ዝተፈጥሩ ጸገማት’ውን ዝቐጸሉ መንግስቲ ግዲኡ ስለ ዘይፈጸመ’ዩ ይብሉ።

ኣብዚ እዋን ንዘሎ ህይወት ሰብ ዝጠፍአሉ አማኢት አሽሓት ሰባት ዝተመዛበሉ ጎንጺ ክልላት ኦሮምያን ክልል ሶማሌን ብዝምልከት ተማሃሮ ላዕለዋት ደረጃ ትምህርቲ ሃሮማያ፡ ጅማ፡ አምቦን አርሲን ዩኒቨርሲቲ ትምህርቶም አቋሪጾም ኣለው። እዚ ሕቶ ተማሃሮ ትጽቢት ዝግበር’ዩ ክብሉ ካብ ውድቀት ደርቂ አትሒዙ ክሳብ ሎሚ ኣብ መሪሕነት ተቃዋሚ ፓርቲ ዝርከቡ ፕሮፌሰር ጴጥሮስ በየነ ይገልጹ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG