ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሙሁራት ነበርቲ ኣሜሪካ ንትካላት ትምህርቲ ኢትዮጵያ ክነሕግዝ ኢና ይብሉ


ዶ/ር ሃ/ማርያምን ዶ/ር መኮነንን
ዶ/ር ሃ/ማርያምን ዶ/ር መኮነንን
ኣብ ሓሙሽተ ዩኒቨርሲታት ኣሜሪካ ዝሰርሑ ምሁራት ዘጣየሽዎ ትካል ምትሕግጋዝ ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትምህርታውን ምርምራውን ዓውድታት ንዝረአ ዘሎ ክፍተት ንምዕባስ ዝድግፍ እዩ፡፡

ነቲ ትካል ዘጣየሹ ሊቃውንቲ ቅድሚ ሎሚ ንንውሕ ዝበሉ ዓማውቲ በብውልቀ ናብ ሃገሮም መጺኦም ኣብ ምርምርን ካልኦት ትምህርታዊ ሓገዝን ዝሳተፉ ዝነበሩ እዮም፡፡

ነቲ ብቱን ከይዲ ሓገዝ እርኑብ ብዝኾነ መልክዑ ተግባራዊ ንምግባር ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓማውቲ ኣድላዪ ዘበለ ዘተ ብምክያድ ብምሕጻረ ቃል እንግሊዝ ED-REAP ማለት ድማ Ethiopian Diaspora for research and education advancement through partnership ዝተሰየመ ትካል ኣጣይሾም ኣለዉ፡፡

መስረትቲ እቲ ትካል ዶክተር ሰለሞን ኣብርሃም ካብ ኖርዝ ካሮላይና ሴንተራል ዩኒቨርስቲ፣ ዶክተር ኪሮስ ብርሃነ ካብ ዩኒቨርስቲ ኦፍ ሳውዘርን ካሊፎርንያ፣ ዶክተር ሙሉጌታ ገብረእግዚኣብሔር ካብ ሜዲካል ስኩል ኦፍ ሳውዝ ካሮላይና ስቴት ዩኒቨርስቲ፣ዶክተር ሃይለማርያም ገብረስላሴ ካብ ሳውዝ ካሮሊና ስቴት ዩኒቨርስቲ ከምኡ’ውን ዶክተር መኮነን ገብረሚካኤል ካብ ዩኒቨርስቲ ኦፍ ካናቲኬት እዮም፡፡

ED-REAP ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ኣብ ኣሜሪካ ብ501c3 ዝተመዝገበ ዘይመንግስታዊ ትካል እዩ፡፡

ኣዳምፁ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:00 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG