ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ስጳኛ ሓገዝ ወሃቢ ትካል ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት መርከቡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኢጣልያ ምእታዋ ሓቢሩ


ናይ ስጳኛ ሓገዝ ወሃቢ ትካል ፕሮኣክቲቫ ኦፕን ኣርምስ ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት መርከቡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኢጣልያ ምእታዋ ሓቢሩ።

እቲ ትካል ብተወሳኺ እታ መርከብ ሽሕ’ዃ ካብ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ መፍራርሒ እንተበጽሓ ነቶም ስደተኛታት ከየረከበት ትማሊ ሰንበት ናብ ወደባዊት ከተማ ፓዚሎ ምብጽሓ ይሕብር።

ሰበ ስልጣን ኢጣልያ ንኣባላት እቲ ትካል ምስ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን ምስ ምትሕብባር ገበነኛታት ብዝምልከት ምርመራ የኻይዱ ምህላዎም ንዝወጽእዎ ሪፖርት አባላት’ቲ ትካል’ውን የረጋገጹ።

አባላት እቲ ትካል እቲ ምርመራ ዝተጀመረ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ዓለምለኸ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ንዘድሓኖም 218 ስደተኛታት ንሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ከረክቡ ዝቐረበሉ ሕቶ ብምንጻጉ ምኳኑ ወሲኾም ይገልጹ።

XS
SM
MD
LG