ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓድሽ ማዕበል ግፍዒ ኣብ ምዕራብ ትግራይ


ዓለምለኸ ተሓለቕቲ ትካላት ኣምንስቲ ኢንተርናሽናልን ህዩማን ራይትስ ዎትችን ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ብዛዕባ ዝተፈጸመ ግፍዕታት ሓባራዊ መግለጺ ኣውጺኦም።

ሓይልታት ፀጥታ ኣምሓራ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ እናወሰኸ ንዝመፀ ጃምላዊ ማእሰርቲ፣ቅትለትን ብሓይሊ ምብራርን ተሓተቲ እዮም ኢሉ ሎማዕንቲ ሓሙስ ዝወፀ ሓባራዊ ሪፖርት ።

ካብ ሓዱሽ ማዕበል ህውከት ንምህዳም ይፍትኑ ዘለው ትግራዎት ስቪላት መጥቓዕቲ ተፈሚዎምን ተቐቲሎምን ይብል እቲ ሓባራዊ ፅብፃብ።ዓሰርተታት ድማ ኣብ መዳጎኒታት መስቀይቲ፣ምጥማይን ምኽላእ ሕክምና ሓዊሱ ንህይወት ኣብ ዘስግእ ኩነታት ይርከቡ።

‘’ኣብ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ዝርከባ ብዙሓት ከተማታት ብሓይልታት ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ዝካየድ ሓዱሽ ከቢድ መግሃስትታት መጠንቀቕታ ደወል እዩ’’ ኢላ ኣብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዳይረክተር ግብረ መልሲ ቅልውላው ጆኣን ማሪነር።

‘’ተወሳኺ ግፍዒታት ንምውጋድ ዓለምለኸ ስጉምቲ እንተድኣ ዘይተወሲዱ ተጋሩ ብፍላይ ድማ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ኣብ ከቢድ ሓደጋ እዮም ዘለው’’ኢላ ብምውሳኽ።

ዓሚ ሕዳር ወታደራዊ ግጭት ካብ ዝጅመር ምዕራብ ትግራይ ቅትለታት፣ብዘይፍሊያ ብከቢድ ብረት ምድብዳብን ሰፊሕ ምምዝባል ተወለድቲ ትግራይን ሓዊሱ ጭካነታት ዝተፈፀምዎም ከባቢ እዩ።

ናይ ሕቡራት መንግስታት ቤት ፅሕፈት ኣዋሃዲ ሰብኣዊ ጉዳያት ኦቻ 2 ታሕሳስ 2021 ኣ\ፈ ከምዝሓበሮ እቲ ግጭት ካብ ዝጅመር 1.2 ሚሊዮን ሰባት ካብ ምዕራብ ትግራይ ተመዛቢሎም ኣለው። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 9 ታሕሳስ ብዝወፀ ፀብፃብ ኦቻ ካብ 25 ሕዳር ክሳብ 1 ታሕሳስሓደ ኣብ ዘሎ እዋን ልዕሊ10,000ተወለድቲ ትግራይ ሓዱሽ ካብ ምዕራብ ትግራይ ተመዛቢሎም ኣለው።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ህይወማን ራይት ስ ዎችን ኣብ ሕዳርን ታሕሳስን 25 መሰኻኽርን ዘምለጡን ሓዊሱ ከምኡ እውን ምስ ግዳያት እሱራት፣ዝተባረሩን ብዛዕባ ናይ ኣምሓራ ሚሊሽያታትን ሓይልታት ፀጥታ ክልል ኣምሓራን ኣብ ስቪላት ነበርቲ ከተማታት ኣደባይ፣ሑመራን ራውያን ተወለድቲ ትግራይዝተፈፀመ ን31 ሰባት ቃለ መሕትት ገይሮምሎም ኣለው።

ካብ መጀመሪያ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ፋኖ ዝተብሃል ዕጡቓት ጉጅለታት ሚሊሽያ ሓዊሱ ሓይልታት ፖሊስ ክልል ኣምሓራ ኣብ ሰለስቲአን ከተማታት ብስልቲ ከቢቦም ከምዝሓዝዎም እቲ ፀብፃብ ይሕብር።እዞም ሓይልታት ንስድራታት ፈልዮም ካብ 15 ዓመት ዕድመ ንላዕሊን ደቂ ተባዕቲዮን ንደቂ ኣንስትዮን ስቪላት ኣሲሮምዎም።ንደቂ ኣንስትዮን ህፃውንቲ ቆልዑን ከምኡ እውን ዝሓመሙን ብዕድመ ዝደፍኡ ሽማግለታትን ካብቲ ከባቢ ሰጕጎምዎም ኣለው።

‘’ተጋሩ ፆቱኦምን ዕድሚኦምን ብዘይገድስ ናብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ተወሲዶም’’ኢሉ ሓደ ሚሊሽያ ፋኖ ገዛ ንገዛ እናፈተሹ ክኣስሩ ዝርኣየ ምስክር ካብ ከተማ ራዊያን።’’ዓበይቲ ካብ መናእሰይ ፈሊዮም ገንዘቦምን ካሊእ ናውቶምን ወሲዶምዎም።ብዕድመ ዝደፍኡ ሽማግለታት፣ ወለዲ፣ብዓበይቲ ናይ ፅዕነት መኪናታት ፅዒኖም ወሲዶምዎም።ንቶም እናእሽቱ ገዲፎም ጥራሕ ኢዶም ሲዲዶምዎ’’ኢሉ ወሲኹ።

ኣብ ሑመራ 21 ሕዳር 2021 ኣ\ፈ ብሰባት ዝተመልኣ 20 ዝኾነ ናይ ፅዕነት መካይን ናብ ማእኸላት ትግራይ ክብገሱ ምርኣዮም ክልተ መሳኽክር ገሊፆም።

ሽዱሽተ መሰኻኽር ድማ ሓይልታት ኣምሓራ ኣብ ኣደባይ ካብ ክባ ንምምላጥ ዝደለዩ ተወለድቲ ትግራይ ቶኽሲ ብምኽፋት ከምኡ እውን ብበትርን በሊሕ ነገርን ከምዘጥቕዑዎም ገሊፆም።ቁፅሮም ዘይተፈልጡ ድማ ተቐቲሎም።’’ይሃድሙ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ምትኳስ ጀሚሮም’’ኢሉ ንዕኡን ካልኦት የጥቕዑዎም ካብ ዝነበሩ ሚሊሽያታት ፋና ዝሃደመ ወዲ 34 ዓመት ሓረስታይ ካብ ኣደባይ።’’ሰባት ከምልጡ ምስ ፈተኑ ከየምልጡ ፋኖ ብገጀራን ምሳርን ኣጥቒዖምዎም።ብሬሳታት ንሓልፍ ነይርና፣ኩላትና ሰንቢድና፣ምስተረጋጋእና ኣብኡ እውን ተወሰኽቲ ሬሳታት ነይሮም።ናብ ዝኾነ ቁሊሕ እንተይልካ ሓሙሽተ፣ ዓሰርተ ሬሳታት ተደርቢዩ ትርኢ’’ይብሉ ብምውሳኽ።

ኣብ ከተማ ኣደባይ 19 ሕዳርን 5 ታሕሳስን ምንቅስቓሳት መካይን ኣብ መዳጎኒ ካምፕ ዝተኣከቡ ሰባት፣ኣብ ዋና መንገዲ ብዙሕ መጠን ዘለዎ ፍርስራስ፣ዝተቓፀሉ ህንፃታት ምስልታት ሳተላይት የርኢ።

ኣብ ሕዳር ካብ ቤት ማእሰርቲ ቅድሚ ምምላጦም ኣብ ሑመራ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ተኣሲሮም ዝነበሩ ሰለስተ ሰባት ሰበስልጣን ኣምሓራ ንነዊሕ ግዜ ኣብዚዩ ዝተፀቓቐጠ ቦታ ከምዝኣሰሩዎም ገሊፆም ኣለው።

እቲ መግለፂ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ስቪላት መጥቓዕታት ጠጠው ከብሉዎ፣ብጃምላ ዝተኣሰሩ ክፈትሕን ምዕራብ ትግራት ንትካላት ረድኤት ተበፃሒ ክኸውን ክገብሩ፣ኣምነስትን ኢንተርናሽናልን ህይውማን ራይትስ ዎችን ንእሱራት ክሪኡ ክፈቅድን ኣለዎ ይብል።

ክብደት ናይቲ ዝቕፀለ መግሃስታት ኣብ ግምት ብምእታው ናይ ሕቡራት መንግስታት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ከበድቲ ዓለምለኸ ሰብኣዊ ሕጊ ሓዊሱ ተፈፂሞም እንተኾይኖም ነፃ ዓለምለኸ መስርሕ ምርመራ ግጭት ትግራይ ብቕልጡፍ ከጣይሽን ተሓተቲ ክፍለዩን ፀዊዑ ኣሎ እቲ መግለፂ።

ኣብ ህይወትማን ራይት ው ዎች ዳይረክተር ቀርኒ ኣፍሪካ ላቲሻ ባደር ‘’ተግባራት ጭካነ እናወሰኹ ብምምፅኦም መራሕቲ ዓለም ዓለምለኸ ናይ ምርመራ ኣገባብ ክፍጠር ክድግፉን ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ኢትዮጵያ ኣብ ስሩዕ ኣጀንድኡ ኣቐሚጡ ክዘራረበሉን ኣለዎ’’ኢላ።

ኣሽሓት ተወለድቲ ትግራይ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ዝተፃበቡ ቦታት ተኣሲሮም ከምዝኾኑ ይግመት።ሰለስተ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሑመራ ተኣሲሮም ዝነበሩ ፖሊስ ክልል ኣምሓራ ብተደጋጋሚ ከምዝቕጥቅጡዎም፣ከምዘሳቕዩዎምን ምግብን መድሓኒትን ከምዝኽልክሉዎምን ይገልፅ።ሓደ ብማዕልታዊ ሸቕሊ ዝናበርን ካብ ቤት ማእሰርቲ ዘምለጠን ክሳብ 200 እሱራት 3 ባ4 ሜትሮ ኣብ ዝኾነ ክፍሊ ተፀቓቒጦም ከምዝኣሰሩዎም ይገልፅ።

እቲ ኽሲ ዝቐርብ ዘሎ ናይ ሕቡራት መንግስታት ቤት ምኽሪ ሰባዊ መሰላት እቲ ሰፊሕ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝምርምር ዓለምለኸ ጉጅለ ንምሻም ኣብ ግምት ንምእታው ፍሉይ ኣኼባ ቅድሚ ምክያዱ ሓደ ማዕልቲ እዩ።

ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ንቶም ክስታት ዛጊድ ሪኢቶ ኣይሃበሉን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG