ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ትግራይ ብውልቀ ሰብ ሃፍቲ ዝተሃነፀ ፈላማይ ሆስፒታል ተመሪቑ


Mekele New Private Hospital
Mekele New Private Hospital

ኣብ ከተማ መቐለ ዝተሃነፀ ቤን መስከረም ሆስፒታል ኩለመዳይ ግልጋሎት ሕክምና ይህብ’ሎ።

ቅድሚ ልዕሊ 10 ዓማውቲ መስከረም ክልኒክ ብዝብል ብርክን ስያመን ስርሑ ጀሚሩ። ኣብ ዝሐዚ እዋን 10 ሚሊዮን ቅርሺ ዝወደአ ህንፃ ተሰሪሕሉ ሞያውን ንዋታውን ብርኪ ብዘመናዊ መልክዑ ኣማሊኡ 24 ግልጋሎት ዝህብ ሆስፒታል ኮይኑ‘ሎ።

ኣማሓዳሪት እቲ ሆስፒታል ወ/ሮ ኣልማዝ መስፍን ”ቤን መስከረም ሆስፒታል ኩለ መዳይ ግልጋሎት ሕክምና ይህብ። ብፍላይ ሰብ ናብ ኣዲስ ኣበባ እናኸደ ዝሕከመሉ ዝነበረ መመርመሪ ሕማም መንሽሮ (ካንሰር)፣ከምኡ እውን መመርመሪ ድኻም ልቢን መኻንነትን ዝወነነ ሆስፒታል እዩ” ኢለን።

ኣብ ትግራይ ግልጋሎት መጥባሕቲ ዝወሃበሉ ብሕታዊ ሆስፒታል ቤን መስከረም ምዃኑ ተገሊፁ’ሎ። ኣብቲ ሆስፒታል ላዕለዎት ሓኻይም ዝርከብዎም 82 ሰብ ሞያ ጥዕና ኣለዉ።

ሓላፊ ሕክምናዊ ዋኒን እቲ ሆስፒታል ዶ/ር ኪዳኑ እስጢፋኖስ ኣብ ኢትዮዽያ ዝበለፀ ማእኸል ሕክምና፣ትምህርትን መፅናዕቲ ጥዕናን ምርግጋፅ ዝብል ርእይ ሒዞም ከም ዝተልዓሉ ይዛረቡ።

XS
SM
MD
LG