ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮማንድ ፖስት ኣብ ከተማ ባህርዳር ዝኣሰሮም19 ሰባት ምፍትሖም ተገሊጹ


ከተማ ባህርዳር
ከተማ ባህርዳር

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ቐረባ ብትእዛዝ ኮማንድ ፖስት ኣብ ከተማ ባህርዳር ተአሲሮም ዝነበሩ 19 ተጠርጠርቲ ሎሚ ረፍዲ ከምዝተፈትሑ ተፈሊጡ።

ቅድሚ ሒደት መዓልታት ንመሰል ህዝቢ ኣምሓራ ክንቃለስ ብምባል ውድብ ንምምስራት እንዳተንቀሳቀሱ ከለው ብፖሊስ ከምዝተአስሩዝተገልጸ እቶም እሱራት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ባህርዳር ደሕንነት ቀላይ ጣና ዶ/ር ደሳለኝ ጫኔ ዝርኸብዎም ኾይኑ ሎሚ ካብቲ ተአሲሮም ዝቀነይሉ መደበር ፖሊስ ናብ ኮሚሽን ፖሊስ’ቲ ክልል ተጸዊዖም ወረቀት መንነቶም ኣመዝጊቦም ከምዝተፈትሑ ምንጭታት ገሊጾም።

ብካልእ ወገን ሰማይዊ ፓርቲ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ መደረ ሓድሽ ቀዳማይ ሚንስትር ተስፋ ክህብ ብተግባር ክትርጎም አለዎ፥ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ እሱራት ፖለቲካን ሕልናን ብምልኦም ክፍትሑን አዋጅ ህጹጽ እዋን ክለዓልን ጸዊዖም ኣለው።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ ኣብ ቀረባ ደ ቆም ዝተቐተልዎም ወለዲ ብዛዕባ ሓድሽ ቀዳማይ ሚንስትር ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ መደረኦም ዝበልዎ ነቲ ዘጋጠመ ይቅሬታ ምሕታት ብዝምልከት ይቅሬታ ምሕታት ንበይኑ ዝደመየ ልቢ ኣየሕውን እቲ ይቅሬታ ተቐባልነት ዝህልዎ ነቲ ተግባር ዝፈጸሙ ሰባት ናብ ፍርዲ ምስ ዝቀርቡ እዮም ኢሎም።

XS
SM
MD
LG