ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ 1,500 እሱራት ካብ ክልል ሶማልያ ፈቲሑ


መንግስቲ ኢትዮጵያ ሎሚ 1500 እሱራት ካብ ምብራቃዊ ክፋል’ታ ሃገር ዝኾነ ክልል ሶማሌ ከምዝፈትሐ ተገሊጹ።

ንምፍታሕ’ቶም እሱራት ብዝምልከት ናይቲ ክልል ፕረዚደንት አማኻሪ ጉዳያት ሚድያን መንእሰያትን ቤት ጽሕፈት አቶ መሃመድ ቢላ ሓሰን ንድምጺ ኣሜሪካ ኣረጋጊጾም ኣለው።

መንግስቲ ንተቃውሞ ንምግታእ ክብል አዋጅ ህጹጽ አዋጅ ድሕሪ ምእዋጅ ድሕሪ መዓልታት’ዩ እዞም እሱራት ዝተፈትሑ፡ እቶም 1500 እሱራት ትማሊ ዝተፈትሑ ፕረዚደንት’ቲ ክልል ሶማሌ ዓብዲ መሓመድ ዑመር ብዝሃብዎ ምሕረት Mኳኑ’ውን ተሓቢሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ ኣብ መንግስቲ ኢህወዲግን ሰራዊት መከላኸሊን ርኡይ ቦታ ዝነበሮም መኮንናት ሎሚ ብተመሳሳሊ ካብ ቤት ማእሰርቲ ቃሊቲ ከምዝተፈትሑ ተፈሊጡ’ሎ።

ንልዕሊ ሸሞንተ ዓመታት ተአሲሮም ዝጸንሑ ሎሚ ካብ መንጎ ዝተፈትሑ ጀነራል ተፈራ ማሞ፡ጀነራል አሳምነው ጽጌ፡ በዓል ሞያ ምህንድስና መንግስቱ አበበ፡ ኮሎኔል ደምሰው አንተነህ፡ኮለኔል አበረ አሰፋ፡ ኮለኔል ሰሎሞን አሻግሬ፡ ሻለቃ መኮነን ወርቁ፡ ሻለቃ ምስክር ካሳ፡ ሻለቃ ምስጋናው ተሰማ፡ ኤንስፔክተር አመራር በያዙ፡ የሽዋስ መንገሻ፡ ዋና ሳጅን ጎበና በላይ፡ ሳጅን ይበልጣል ብርሃኑን ካልኦት ይርከብዎም።

መውሃቢ ርእይቶ ኣብ ፈይስቡክ

ኣብዚኣ'ሞ

ተጋሩ ነበርቲ ከባቢ ዶብ ድልየት ሰላም ንምግላፅ’ዩ ብዝብል ናብ ኤርትራ ዝገብርዎ ምስጋር

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG