ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስዑዲ ዓረብ: ብክሲ ብልሽውና ተአሲሮም ዝጸንሑ ልዑል መቲብ ቢን ዓብዱላሂ ተፈቲሖም


ካብ ላዕለዎት ናይ ስዑዲ ዓረብ ልዑል ዝኾኑን ቀንዲ መቀናቕንቲ ልዑል መሓመድ ቢን ሳልማን ምኳኖም ዝንገረሎም ልዑል መቲብ ቢን ዓብዱላሂ ብልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዶላር ስምምዕ ካብ ማእሰርቲ ምፍትሖም ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ሓቢሮም።

ወዲ ንጉስ ዓብደላን ሓላፊ ሃገራዊ ሓለዋ እታ ሃገር ዝኾኑ ልዑል መቲብ ትማሊ ሶሉስ ካብ ማእሰርቲ ምፍትሖም ተሓቢሩ’ሎ።

ስዑዲ ዓረብ: ብክሲ ብልሽውና ተአሲሮም ዝጸንሑ ልዑል መቲብ ቢን ዓብዱላሂ ተፈቲሖም
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:36 0:00

ልዑል መቲብ ምስ ካልኦት አባላት እቲ ንግስነት፡ ሚንስተራትን ሰብ ዋኒን ብክሲ ብልሽውና ኣብ መጀመርያ’ዚ ወርሒ’ዚ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ይፍለጥ።

ልዑል መቲብ ብምጥፍፋእ፡ ኣብ ቦታ ስራሕ ዘየለው ሰባት ብምቁጻርን ዘይግቡእ ሽልማት ንሰራሕተኛታት ብምሃብ ዝብሉ ክስታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምጽንሖም ተገሊጹ’ሎ።

ሰበ ስልጣን ስዑዲ ዓረብ ኣብ መንጎ ክሱሳትን መንግስትን ንብረቶም ብምርካብ ነጻነቶም ክረኽቡ ኣብ ዝብል ስምምዕ ንምብጻሕ ክሰርሑ ምጽንሖም ሓቢሮም ኣለው።

XS
SM
MD
LG