ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ልኡል ሃሪን በዓልቲ ቤቱ መጋን መርከልን ኣብ ናይጀርያ ምብጻሕ የካይዱ


አባላት ስድራ-ቤት ንግስነት ብሪጣንያ ዝኾኑ ልኡል ሃሪን በዓልቲ ቤቱ መጋን መርከልን ንግዳያት ኲናትን ንስነ-ኣእምርኣዊ ፀገማት ዘጋጠሞምን ኣብ ሕውየቶም ኣበርክቶ ንምግባር በቲ ልኡል ንዝተመስረተ ትካል ንምድንፍዑ ዝዓለመ ምብፃሕ ንምግባር ናይጀርያ ኣብ ናይጀርያ የካይዱ ኣለው።

ብናይቶም መፃምድቲ ትካል ገባሪ ሰናይ ኣርቺወልሓገዝ ዝተገብረሉን በቲ ጎንፂ ንዝተሃስያ ኣዋልድ ሰልጠና ስነ-ኣእምሮኣዊ ክንክን ንዝህብ ሓደ ኮሊጅ’ውን በፂሖም’ለዉ።

ንባዕሉ ወታሃደር እንግሊዝ ኣብ ኲናት ኣፍጋኒስታን ኣብራሪ ሄሊኮፕተር ኲናት ኾይኑ ዝተሳተፈ ልኡል ሄንሪ ንዝቆሰሉ ወታሃደራት ኣብ ሕውየቶምን ስነ-ኣእምሮኣዊ ጥዕንኦምን ክሕግዝ ዝኽእል ኣብ መንጎ ዝቀሰሉ ወታሃደራት ዝተፈላለያ ሃገራት ውድድር ዝግበረሉ ኦሎምፒክ 2014 መሰሪቱ።

ናጀርያዊት ዓሌት ከምዘለዋ ኣብ ቀረባ ዝገለፀት ኣመሪካዊት በዓልቲ ቤቱ ሜገን ናብ ንጉሳውያን ቤተሰብ ድሕሪ ምምርዓዋ ንኹነታታ ዝከታተሉ ናይጀርያውያን’ውን በዚ ዑደት ኣዝዮም ተሓጉሶም’ለው። ፕሪንስ ሄሪን በዓልቲ ቤቱን ኣብዚ ናይ ናጀርያ ዑደቶም ድሙቅ ኣቀባብላ ተገርሎም’ሎ ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG