ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ዮርዳኖስ ልዑል፣ንናይ ፊፋ ፕሬዝደንት ክወዳደር’የ ይብል


ምክትል ፕሬዚደንት ፊፋ ዝነበረ ልዑል ኣል-ሁሴን ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ሪኢቶ ‘ፊፋ ነቲ ኣጓኒፍዎ ዘሎ ኣዝዩ ጽንኩር ቅልውላው ብልሽውና ስዒሩ ክወጽእን ስሙ ከሕድስን’ዩ ናብኡ ንምብጻህ ግና መሪሕነት ኣድልዩዎ’ሎ ይብል።

ዝሓለፈ ግንቦት ኣብ ዝተካየደ ምርጫ ንፕሬዝደንትነት ፊፋ፣ ልዑል ዓሊ ቀንዲ ተቀናቃኒ ሴፕ ብላተር ከምዝነበረ ይዝከር። ድሕሪ’ቲ ምርጫ ሴፕ ብላተር ብክሲ ብልሽወና ካብ ስልጣኖም ከምዝወረዱን ካልኦት አባላት ሓለፍቲ ፊፋ’ውን ብብልሽወና ተከሲሶም ከምዘለዉ ይፍለጥ።

ብተወሳኺ አቦ-መንበር ማህበር ኩዕሶ እግሪ አውሮጳ ሚቸል ፕላቲኒ ካብ ሴፕ ብላተር 2 ሚልዮን ዶላር ክፍሊት ተቀቢሉ ዝብል ክሲ ን90 መዓልታት ካብ ስራሕ ምዕጋዱ ይፍለጥ። ፕላቲኒ ንዝቀረበሉ ክሲ ይግባይ ኢሉ ንፕሬዝዳንታዊ ምርጫ ፊፋ ክወዳደር’ኳ እንተፈተነ ብዝተወሰነሉ መቅጻዕቲ ግን ናብቲ ውድድር ክቀርብ ኣይክእልን።

ምዝገባ ተወዳደርቲ ንፕሬዝደንት ፊፋ ጥቅምቲ 26/2015 ዝውዳእ ክከውን ከሎ እቲ ምርጫ ድማ የካቲት 26/2016 ክካየድ ተመዲቡ’ሎ።

አብዚ’እዋን እዚ አቦ መንበር ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ አፍሪቃን ካሜሩናዊን ኢሳ ሃያቱ፣ ጊዝያዊ ፕሬዝደንት ፊፋ ኮይኑ ይሰርሕ አሎ።

XS
SM
MD
LG