ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ትራምፕ ነቲ ጸረ እምነት እስልምና ዝኾነ ቪድዮ ደጊሞም ምውጽኦም ጌጋ’ዩ ክብላ ቀዳመይቲ ሚንስትር ብሪጣንያ ወቒሰን


ፋይል- ቀዳመይቲ ሚንስትር ብሪጣንያ ተሬሳ ሜይ
ፋይል- ቀዳመይቲ ሚንስትር ብሪጣንያ ተሬሳ ሜይ

ቀዳመይቲ ሚንስትር ብሪጣንያ ተሪሳ ሜይ ፕረዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ናይ ብሪጣንያ ጉጅለ የማናይ ፅንፊ ብቲዊተር ዘውፅኦ ፀረ-እመንት እስልምና ዝኾነ ቪዲዮታት ደጊሞም ብቲዊተር ምልኣኾም ጌጋ እዩ ክብላ ገሊጸን።

"ሓቢርና ንሰርሕ ኣለና ማለት ኣሜሪካ ጌጋ ክትፍፅም ከላ ካብ ምዝራብ ዓዲ ንውዕል ኢና ማለት ኣይኮነን፤ብግልፂ ክፍለጥ ኣለዎ’’ኢለን።

ንሰን ብተወሳኺ “ቀዳምነት ንብሪታጣንያ’’ ዝተባህለ ጉጅለ ዘውፅኦ ቪዲዮ ደጊምካ ምውፃእ ጌጋ እዩ’’ኢለን ።

እቲ ነቐፌታ ዝሰዓበ ፕረዚደንት ትራምፕ ተኣማንነቶም ዘይተረጋገፁ ቪዲዮታት ኣብ ናይ ቲዊተር ገፆም ድሕሪ ምልጣፎም እዩ ።

ፕረ. ትራምፕ ድሕሪ ናይ ቀ/ሚንስትር ሜይ መልእኽቲ ኣብዝፅሓፍዎ ናይ ቲዊተር መልእኽቲ “ናባይ ኣይትጠምቲ፤ኣብ ውሽጢ ብሪጣንያ ይፍፀም ኣብ ልዕሊ ዘሎ ኣዕናዊ ናይ ግብረ ሽበራ ጥርኑፍ እስላማዊነት ኣቕልቢ፤ንሕና ፅቡቕ ኣለና’’ ኢሎም።

ብዙሓት ኣባላት ፓርላማ ብሪጣንያ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ብሪጣንያ ንዝፍፅምዎ ወግዓዊ መገሻ ንክስርዙ ንቀ/ሚንስትር ንሜይ ይፅውዑ ኣለው።

ወሃቢት ቃል ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ሳራ ሃካቢ ሳንደርስ ግን “እቶም ቪዲዮታት ትኽክል ይኹን ኣይኹኑ ብዘየገድስ እቲ ስግኣት ግን ትኽክለኛ እዩ፤እቶም ፕሬዝደንት ድማ ብዛዕባ እዚ እዮም ዝዛረቡ ዘለው’’ ክብላ ተኸላኺለን ኣለዋ።

XS
SM
MD
LG