ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ምህንጻጽ ዶብ ኢትዮጵያ ምስ ሱዳን ቀደሙ'ውን ኣይነበረን ሎሚ'ውን የለን' ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ


ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ
ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ

ናይ ኢትዮጵያ ቤት ምኽሪ ወከልቲ፣ ሎሚ ኣብ ዝፀወዖ ፍሉይ ኣኼባ፣ ንምምካት ፅልዋ ኢል-ኚኖ ዝጠንቁ ደርቂ ዝውዕል ልዕሊ 14 ቢልዮን ቅርሺ ባጀት ወሲና።

ኣብ’ቲ ኣኼባ ዝተረኸቡ ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ ንምምካት ደርቂ ይምደብ ዘሎ መጠን ገንዘብ ዓቅሚ’ታ ሃገር ይዓቢ ከምዘሎ ሓባሪ’ዩ ኢሎም።

‘ሎሚ ንምምካት ደርቂ ንውስኖ ዘለና መጠን ገንዘብ ቅድሚ 15 ዓመታት ጥቅሉል ባጀት’ዛ ሃገር’ዩ ነይሩ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ መንግስቲ ብሙሉእ ዓቅሙ ንደርቂ ይዋጋእ ዘሎ’ዩ።ክሳብ ሎሚ ካብ መኻዘን ሓደጋን ካብ ወፃኢ ሓገዝን ኢና ንጥቀም ነይርና’ ኢሎም።

እቶም ቀ/ሚ ካብ ኣባላት ቤት ምኽሪ ንዝቀረበሎም ሕቶ ኣብ ዝመለስሉ እዋን ‘ንሱዳን ዝተዋሃበ መሬት ይኹን መስርሕ ምክላል ዶብ የለን’ ኢሎም።

‘ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ከምዘይተከለለ ብቀደሙ’ውን ዝፍለጥ’ዩ። ህዝብና ንኮምሽን ዶብ ክልቲኤን ሃገራት ዘዳልዎ ድሕሪ ምልዛብ መዕለቢ ዝረክብ’ምበር ከም’ቲ ገለ ወገናት ዝብልዎ ስቅ ኢልካ ቆሪስካ ዝዋሃብ ኣይኮነን’ ይበሉ እቶም ቀ/ሚ።

XS
SM
MD
LG