ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ኣብ ሓፈሻዊ ጉብኤ ሕቡራት መንግስታት መደረ ከስምዑ እዮም


Chairperson of the African Union and Ethiopian Prime Minister Hailemariam Desalegn speaks during a joint press conference at the end of the African Union Summit on health about HIV/AIDS, TB and malaria in Abuja, July 16, 2013
Chairperson of the African Union and Ethiopian Prime Minister Hailemariam Desalegn speaks during a joint press conference at the end of the African Union Summit on health about HIV/AIDS, TB and malaria in Abuja, July 16, 2013
ቀዳማይ ምንስቴር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማሪያም ደሳለኝ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ኣብ ዝካየድ ሓፈሻዊ ጉብኤ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኒው ዮርክ ከምዝሳተፉን መደረ’ውን ከምዘስምዑን ተፈሊጡ።
ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት መንግስታት ክርከቡ እዚ ንኻልኣይ ግዜ እዩ ክኸውን።

ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ምንስቴር ጉዳያት ፓብሊሲቲ ምንስቴር ደኤታ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ንቪኦኤ ኣብዝሃብዎ ሪኢቶ ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያ ኣብ ጉባኤ ሕቡራት መንግስታት ዝርከቡ ብኣቦ መንበርነት ሕብረት ኣፍሪካ እውን እዮም።መደርኦም እውን ነዚ ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን እዩ ኢሎም ኣቶ ጌታቸው። ‘’ጉባኤተኛታት ዘተኩርሉ ኢትዮጵያ፣እቲ ከባቢን ኣፍሪካን ኣብ ዝምልከቱ ጉዳያት እዩ።ኣፍሪካ ሎሚ እናዓበየት ዘላን ትኹረት ዘድልዩ ጉዳያት ዘለውዋን እያ።’’

ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ኣብቲ ጉባኤ ዘረባ ዘስምዑ እቲ ጉባኤ ምስ ተጀመረ ኣብ ካልኣይ ማዕልቲ 15 መስከረም 2006 ዓ/ም እዩ። ቀዳምነት ካብ ዝተውሃቦም ተዛረብቲ ሓደ ክኾኑ እዮም።ኣቶ ሃይለማሪያም ኣብ ታሪኻዊት ናይ ሩሲያ ከተማ ፒተርስበርግ ካብ ዝተኻየደ ኣኼባ ጉጅለ-20 ድሕሪ ምስታፎም ተመሊሶም ኣለው።

መራሕቲ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብቶም ዝሓለፉ ትሽዓተ ዓመታት ኣብ ጉባኤታት ጉጀል-8ን ጉጀል-20 ዝኣመሰሉ ምስታፎም ቐፂሎም ኣለው።

ኣብዞም ኣኼባታት ንምስታፍ እንፅዋዕ ዘለና ንምስክርነት እዩ ኢሎም ኣቶ ጌታቸው ረዳ።ዝሰራሕናዮም ስራሕቲ ውፅኢት እናምፅኡ እዮም ዝበሉ ኣቶ ጌታቸው ከማና ካብ ድኽነት ንምውፃእ ዝፅዕሩ ኣካላት ክምሃርዎ ዝግባእ እንተሃሊዩ ዝማዕበላ ሃገራት ክሰምዓ ይደልያ እየን ኢሎም ብምውሳኽ።ዘተሓሳስቡናን እናሓቶምን ሕቶታት ንኻልኦት እውን ንምክፋል እቶም መድረኻት ዕድል ይፈጥሩ እዮም ኢሎም ኣቶ ጌታቸው።
XS
SM
MD
LG