ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዶብ ኢትዮ-ሱዳን ዝምልከት ሓድሽ ዝተሰማማዕናዮ የለን ኢሎም ቀ/ም ሃይለማሪያም ደሳለኝ

Ethiopia's Prime Minister Hailemariam Desalegn attends an Extraordinary Summit of Intergovernmental Authority on Development (IGAD) Heads of State during the African Union summit in Ethiopia's capital Addis Ababa, Jan. 31, 2014.

ዶብ ኢትዮ-ሱዳን ብዝምልከት ሓድሽ ዝተፈረመ ይኹን ሓድሽ ዝፍረም ስምምዕ የለን ክብሉ ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ገሊፆም።ቀዳማይ ምስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ሎማዕንቲ ሰኒ ንናይ ወፃእን ውሽጥን ሃገራት መራኸቢ ብዙሃም ኣብዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ እዮም ነዚ ዝተዛረቡ።

ዶብ ክልቲአን ሃገራት ብዝምልከት ብዘመነ ሃፀይ ምንሊክ ዝተፈረመ ስምምዕ ገዛኢ ምዃኑ ዝሓበሩ ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ብሃይልስላሴ ይኹን ብደርጊ ስርዓታት እውን ተቐባልነት ረኺቡ ዝፀንሐ ምዃኑ ሓቢሮም።ዝተረፈ ነገር እንተሃለወ ብዝተበፅሐ ስምምዕ መሰረት ኣብቲ ዶብ ምልክት ምግባር እምበር ሎሚ ንህቦ ይኹን ንወስዶ ነገር መሬት የለን ኢሎም።

እንተኾነ ግን ኢሎም ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ገለ ወገናት ነቲ ጉዳይ ኣብ ድሮ እዋን ምርጫ ምልዓሎም ዝተለመደ ኮይኑ’ሎ ክብሉ ንታቓወምትን ንካልኦት ወገናትን ነቒፎም።

ኣብ ጉዳይ ናይል ኣብ መንጎ ግብፅን ኢትዮጵያን ዘሎ ምስሕሓብ ዝተሓተቱ ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ግብፂ ናብ መደረኽ ዝርርብ ንኽትምለስ ዘለዎም ተስፋ ገሊፆም።ግብፂ ነቲ ጉዳይ ናብ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ክወስዶ እየ ምባላ ተሓቲቶም ንጉዳይ ማይ ጥራሕ ዝርኢ ቤት ፍርዲ ስለዘየለ ፖለቲካ እዩ ክኸውን ኢሎዎ።ከምኡ እንተኾይኑ ድማ ንሕና እውን ናይ ባዕልና መርገፂ ክንዛረብ ኢና ኢሎም።ብወገን ግብፂ ብሓይሊ ንምፍታሕ ዘለው ምንቅስቓሳት ተሓቲቶም ሓይሊ ናይ መበል 21 ክፍለ ዘመን ናይ ኣፈላላያት መፍትሒ ክኸውን ኣይኽእልን፤ንግብፂ ዘዋፅኣ ናብ ሰለስትኣዊ ርክብ ተመሊሳ ኣብቲ ዝዝርብ ምክፋል እዩ ክብሉ መሊሶም።
XS
SM
MD
LG