ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዳርጋ ሙሉእ ኢትዮጵያ ህዱእን ሰላምን'ዩ ዘሎ ኢሎም ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ


ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ
ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ

‘ናብ መዋስንቲ ክልላት ኦሮምያን ሶማሌን ሰላም ከምዝተመለሰ፣ ኣብ ሞንጎ ኣባል ውድብ ኢህወዴግ ዝኾነ ውድብ ኦሮሞ ኦህዴውን ካልኦትን ኣፈላላይ ኣሎ ዝብሉ ሪፖርታት ካብ ሓቂ ዝራሓቀ’ዩ’ ኢሎም ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ።

ኣብ’ቲ ግጭት ኢድ ዝነበሮም ውልቀ-ሰባት ንክሕተቱ ይስራሕ ኣሎ፣ ዝተፈናቀሉ ንምጥያሽ’ውን ይስራሕ ኣሎ’ ኢሎም እቶም ቀ/ሚ።

ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ዝወጹ ሓበሬታት መንቀሊኦም ንውሽጣዊ ኩነታት ኢህወዴግ ካብ ዘይምፍላጥ ከምዝኾኑን ናይ ሓሶት ወረን’ዮ ኢሎምዎ። ‘ሓቒ’ዩ ኣብ ውድብና ብዙሓት ክትዓት ይካየዱ’ዮም። ክትዓት ኣብ ኦህዴው፣ ብኣዴን፣ ህወሓትን ዴግህደን ይካየዱ’ዮም። ስለዚ ኦህዴው ንበይኑ ምስ’ቶም ካልኦት ፓርቲታት ዝጻላኣሉ ምኽንያት የለን’ በሉ ንሶም።

ቀ/ሚ ኃይለማርያም ብዛዕባ’ቶም ኣብ ስዑድ ዓረብ ዝተኣሰሩ ትውልደ ኢትዮጵያዊ ዲታ ሸኽ መሓመድ ኣላሙዲ ፈላማይ ሪኢቶ ሂቦም ኣለው።

‘ምምሕዳሮም ምስ መንግስቲ ስዑድ ዓረብ ይዘራረበሉ ከምዘሎ ጢቒሶም‘። ‘ሸኽ መሓመድ ኣላሙዲን ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዎም ኢንቨስትመንት ተጠናኺሩ ክቕጽል’ዩ ዝብል እምነት ኣለና’ ኢሎም።

please wait

No media source currently available

0:00 0:03:38 0:00

XS
SM
MD
LG