ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህንፀት ግድብ ህዳሴ ደው ዘብሎ ሓይሊ የለን ኢሎም ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ


Hailemariam D.
Hailemariam D.
መራሕቲ ግብፂ ተፀሊሎም እንተዘይኮይኖም ብጠንቂ ምስሕሓብ ግድብ ህዳሴ ኢትዮዽያ ናብ ኲናት ዝኣትው ኣይመስለንን ኢሎም ቀ/ሚ ኢትዮዽያ።

መራሕቲ ግብፂ ኣብ‘ዚ ቅነታት ኣብ ዝሃብዎ ስሩዕን ዘይስሩዕን መግለፂታት፣ግብፂ ረብሓታታ ንምርግጋፅ ኩሎም ኣማራፂታት ኣብ በተኦም ኣለው ከምዝበሉ ይዝከር።

ሎሚ ረቡዕ ንሚድያታት ኢትዮዽያ ሪኢቶ ዝሃቡ ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ ግና፣ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ፅላል፣ህንፀት ግድብ ዓብዪ ህዳሴ ኢትዮዽያ ኣይቋረፅን ይብሉ።

ኣስዒቦም”ኩሎም ኣማራፂታት ኣብ ቦተኦም ኣለው ክብሉ ከለው፣ናብ ኲናት‘ውን ክንኣትው ኢና ምባል ክኸውን ይኽእል‘ዩ።እንተዘይተፀሊሎም፣ እዚ ኣንፈት‘ዚ ክስዕቡ‘ዮም ዝብል እምነት የብልናን” ኢሎም።

ህንፀት ግድብ ህዳሴ ኢትዮዽያ ኣብ ልዕሊ‘ተን ታሕተዎት መፋስስ ኣባይ ናይል ዝባሃላ ግብፅን ሱዳንን ዘስዕቦ ኣሉታዊ ፅልዋ ኣሎ እንተኾይኑ ንምንፃር ዝቆመ ኮሚቴ ኪኢላታት ተወሳኺ መፅናዕቲ ጎዲልዎ‘ዩ ኢላ ግብፂ ክትቃወም ከላ ኢትዮዽያ ግና ከምዝተቀበለቶ ዝዝከር‘ዩ።
ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:00 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG