ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ጠንቂ ግጭት ኣብ መዋስንቲ ክልላት ኦሮምያን ሶማሌን ኪራይ ኣካብነትን ዘይሕጋዊ ዝውውር ዶላርን'ዩ' ኢሎም ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ


ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ
ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ

ኣብ ሞንጎ መዋስንቲ ክልላት ኦሮምያን ሶማሌን ህውከት ዝተወለዐ ብሰንኪ ህዝቢ ካብ ህዝቢ ንምፍልላይ፣ ግጉይ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባን ኪራይ ኣካብነትን ዝተወለዐ’ዩ ኢሎም ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ።

ኣቶ ኃይለማርያም ደሳለኝ ’ፖለቲካዊ መበገሲ ክፍታሕ ኣለዎ። እንተዘይተፈቲሑ ግና ግጭታት ክቕጽሉ’ዮም’ ኢሎም።

'ኣብ ሓባራዊ ወሰናት ክልላት ኦሮምያን ኢትዮ-ሶማሌን ዝካየድ ንግዲ ኮንትሮባንድ ጫትን ዘይሕጋዊ ዝውውር ዶላር ኣሜሪካን ተጋዲዱ መልክዕ ግጭት ብሄር ሒዙ’ሎ። ከም’ዚ ዝዓይነቱ ሃዋሁ እንተዘይተፈጢሩ፣ እቲ ዘይሕጋዊ ስራሕቶም ከምዘይቕጽል ኣጸቢቖም ስለዝፈልጡ’ዩ ከምኡ ዝገብሩ ዘለው’ እውን ኢሎም ወቒሶም።

ጉዳይ ካብ ስልጣን ምስንባት ኣባላት መሪሕነት ኢህወዴግ ዝነበሩ ኣቶ በረከት ስምኦንን ኣባዱላ ገመዳን’ውን ሪኢቶ ሂቦም ኣለው።

'ሕቶ ኣቶ በረከት ስምኦን ተደጋጊሙ ዝቐረበ ከምኾነ ዝገለጹ እቶም ቀ/ሚ ምስ ልዑል ምስጋና ንነዊሕ ኣገልግሎቶም ተሰናቢቶም ኣለው፣ ኣባዱላ ገመዳ ግና ንፈለማ ጊዜ ነቲ ሕቶ ስለዘቕረቡ ንዘራረበሉ ኣለና' ኢሎም።

ኢትዮጵያ ምስ መብዛሕተአን ጎረባብቲ ሃገራት ሰናይ ምትእስሳር ኣለዋ፣ ኣብ ሶማልያን ደቡብ ሱዳንን ሰላምን ህድኣትን ንክዓስል ትሰርሕ ኣላ፣ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ንሶማልያ ኣብ ምሕጋዝ ዕዙዝ ተራ ንክጻወት መጸዋዕታ ኣቅሪቦም።

please wait

No media source currently available

0:00 0:05:30 0:00

XS
SM
MD
LG