ቀ/ሚ ኢትዮዽያ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ናይ‘ታ ሃገር ቁጠባ ሎም-ዘበን ብ11.3 ሚእታዊ ከምዝዓቢ ኣፍሊጦም።
ንሶም ንቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ‘ታ ሃገር ኣብ ዘቅረብዎ ናይ ትሻዓተ ዓመታት ኣፈፃፅማ ስራሕ መንግስቶም፣እታ ሃገር ትትግብሮ ንዘላ መደብ ትልሚን ትራንስፎርሜሽንን ኣማእኪሎም መብርሂ ሂቦም።
ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ ሃገሮም ምስ ጎረባብታ ብዘይካ ኤርትራ ፅቡቅ ዝምድና ከምዝፈጠረት ክገልፁ ከለው፣ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተወሰነ ማዕቀብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/ሃ ንክቅፅል ክንዲ ዝካኣለና ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣቶ ተስፋሚካኤል ገራህቱ ብወገኖም፣ ብዛዕባ‘ዚ መንግስቲ ኢትዮዽያ ይዛረበሉ ዘሎ ጉዳይ ማዕቀብ ኣብ‘ዚ ቀረባ ተሓቲቶም ”ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ፣ኤርትራ ናብ ዝሓየለ ዲፕሎማስያዊ ፃዕሪታትን ገስጋስን ትኸይድ ስለዘላ፣ነዚ ንምግታእ እንደገና ተባሂሉ‘ዩ፣ሕጂ ጠፋእና ጠፋእና እገዳ‘ባ ኣናውሑልና ዝባሃል ዘሎ” ዝብል ሪኢቶ ሂቦም ነይሮም።