ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ኣምቦ ክልል ኦሮምያ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩሎም


ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ
ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ

‘ንቑስሊና ካብ ምሕኻኽ ተናጊፍና፣ ንቅድሚት ጠንካራ ሓድነት ዝፍጠረሉ ባይታ ክንሃንጽ ይግባእ’ ኢሎም ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስት ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ።

ንሶም ነዚ መጸዋዕታ’ዚ ዘቕረቢ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ስታድየም ክተማ ኣምቦ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ’ዩ።

ፕረዚደንት ክልል ኦሮምያ ኣቶ ለማ መገርሳ ብወገኖም ‘ዴሞክራሲን ሰላምን ንምዕሳል ምስ መንግስቲ ተሓባቢርናን ተደጋጊፍናን ንክንሰርሕ መጸዋዕታይ ኣቕርብ ኣለኹ’ ኢሎም።

please wait

No media source currently available

0:00 0:04:06 0:00

XS
SM
MD
LG