ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይን ፕረዚደንት ኡሁሩን ንመተሓላለፊ ዶብ ሞያሌ መሪቖም ከፊቶም


ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድን ናይ ኬንያ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬኒያታን ሎሚ ረቡዕ ንመተሓላለፊ ዶብ ሞያሌ መሪቖም ከፊቶም።ንናይ ክልተ መዓልታት ወግዓዊ ዑደት ኬንያ ዝኣተወ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ኢትዮጵያ፣ኬንያን ደቡብ ሱዳንን ብመሰረተ ልምዓት ንምርኻብ ዝተሓሰበ ናይ ፕሮጀክት ከይዲ ክዕዘቡ እዮም ተባሂሉ ኣሎ።ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ነበርቲ እቲ ከባቢ ናይ ዶብ ሰላም ክሕልው ሓቲቶም ኣለው።

ሎሚ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድን ረዚደንት ኡሁሩ ኬኒያታን ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ኬንያን ኣብ እትርከብ ከተማ ሞያሌ ተረኺቦም ኣካል ዝዓበየ ፕሮጀክት ዝኾነ 1,000 ኪሎ ሜትር መንገዲ መተሓላለፊ ዶብ ሞያሌ መሪቖም ኣለው።

ክልቲኦም መራሕቲ ናይቲ ፕሮጀክት ምዝዛም ኢትዮጵያን ኬንያን ብቁጠባ፣ማሕበራዊ መዳይ ብዝበለፀ ዘሐይል እዩ ኢሎም ኣለው።

ዝተገበረሎም ኣቀባብላ ዘድነቑ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ንነበርቲ ዶብ ክልቲአን ሃገራት እንኳዕ ሓጎሰኩም ኢሎም።

‘’እዚ ኣብ መንጎና ዘሎ ሰብ ሰራሕ ዶብ በዚ ዝተሃነፀ መሰረተ ልምዓት ፈሪሱ ኣሎ ዝብል ግምት ኣለኒ’’ ዝበሉ ንሶም እዚ ሎሚ ዝተመረቐ ፕሮጀክት ኣብ ክልቲአን ሃገራት ዝርከቡ ስድራታት ናብ ሓደ ክመፁ ዘለዎ ተኽእሎ፣ብተወሳኺ እውን ኣብ ንግዲ፣ቁጠባን ቱሪዝምን ኣብ ዝኣመሰሉ ክጣመሩ ዝገብር እዩ ኢሎም።

ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ጉዳይ ሰላምን ፀጥታን ብዝምልከትንነበርቲ እቲ ከባቢ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ‘’ማዕረ ንምዝዛም መሰረተ ልምዓት ዝሰራሕኹምዎ ንናይቲ ከባቢ ሰላም ፀንኪርኩም እጃምኩም ክትዋፅኡ ኣለኩም’’ ኢሎም።ብፍላይ ኣል ሸባብን ኦነግን ካብቲ ከባቢ እንተፅሪና ናይቲ ከባቢ ነበርቲ ሓደ ስድራ ሓደ ዜጋ ኮይኑ ብደስታ ክነብሩ እዮም ኢሎም።

ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ዝተቐበሉ ፕረዚዳን እሁሩ ኬኒያታ ሰላማዊ ርከብ ዘለወን ክልቲአን ሃገራት ሎሚ እውን ኣብ መዳይ ንግድን ኢንቨስትመንትን ሓቢረን ክሰርሓ ኣለወን ምኽኒያቱ ነቲ ሕብረተሰብ ብዙሕ ዝጠቅም እዩ ኢሎም።

ኬኒያታ ብምውሳኽ ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ህዝብታት ንሰላሞም ዋርዲያ ክኾኑ ኣተሓሳሲቦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኦነግ ምስ ኣል ሸባብ ደሪቦም ብዛዕባ ዝተዛረቡዎ ግዚያዊ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ኦነግ ኣቶ በቴ ኡርጌሳ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ምንታይ ኩነታት ኮይኖም ከምዝተዛረቡ ክንሓትት ኢና ኢሎም።

ምብጻሕ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ኬንያ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:12 0:00

ሓላፊት ክፍሊ ፕረስ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ቢልለኔ ስዩም ኣማሲየን ንቪኦኤ ኣብ ዝሃብኦ ቃል ቀዳማይ ሚኒስትር ሎሚ ኦነግ ብዝብል ዝጠቐሱዎ እቲ ፓርቲ ከይኮነስ ናይ ኦነግ ሸኔ ዕጡቓት ማለቶም እዩ ኢለን ኣለዋ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣብ ናይ ክልተ መዓ ፃኒሕቶም ፅባሕ ናብ ወደባዊት ከተማ ለሙ ብምኻድ ዑደት ክፍፀሙ እዮም።

ብኢንግሊዝኛ ሓፂር ኣፀዋውዓ ላፕሴት ኮሪደር ብዝብል ሽም ዝፍለጥ ኣብ 1975 ኣ\ፈ ዝተነደፈ ፕሮጀክት መሰረተ ልምዓት ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ንሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ብመሰረተ ልምዓት ንምርኻብ እዩ ዝዓለመ እዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።



XS
SM
MD
LG