ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣቦ መንበር ኣቶ ደመቀ መኮነን ምኽትል ኢህወዴግ ኮይኖም ተመሪፆም


EPRDF 1th Summit
EPRDF 1th Summit

ኣብ ከተማ ሃዋሳ ክካየድ ዝቐንየ መበል 11 ጉባኤ ኢህወዴግ ንዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣቦ መንበር ንኣቶ ደመቀ መኮነን ድማ ምኽትል ኣቦ መንበር ገይሩ ብምምራፅ ሎማ ዓርቢ ተዛዚሙ።

ንሰለስተ መዓልታት ኣብ ከተማ ሃዋሳ ክካየድ ዝቐነየ ጉባኤ ኢህወዴግ ናይቲ ውድብ ኣቦ መንበር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ምኽትል ኣቦ መንበር ኣቶ ደመቀ መኮነን ክኾኑ መሪፁዎም ኣለው።ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ካብ 177 ኣባላት ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ 176 ድምፂ ብምርካብ ብዝለዓለ ድምፂ ተመሪፆም ኣለው።ኣቶ ደመቀ መኮነን 149 ድምፂ ብምርካብ ምኽትል ኣቦ መንበር ኮይኖም ኣለው።

ኣብቲ ጉባኤ ብተዓዛብነት ካብ ዝተሳተፉ ሓደ ኣቶ ደሳለኝ ሃይሉ እቲ ከይዲ ምርጫ ንኹሉ ግልፂ ከምዝነበረ ብምሕባር ንኣቦ መንበርነትን ምኽትልን ዝነበረ ምርጫ ከምዚ ክብሉ ገሊጾሞ ።

“ሰለስተ ሰባት ተረቑሖም ።ንዶ/ር ኣብይ ናይ ደቡብ ክልል ኣቶ ሚሊዮን ይመስለኒ ጠቒሞምዎም፣ኣቶ ለማ መገርሳ ንኣቶ ደመቀ ጠቒሞምዎም ኣቶ ገዱ ድማ ንዶ/ር ደብረፅዮን ጠቒሞምዎም።”

ኮሚቴ እቲ ውፅኢት ክገልፅ ከሎ ብዓብይ ጣቒዕትን ጭደራን ዝተሰነየ ነይሩ።ናይቲ ኮሚቴ ተወካሊ ዝኾኑ ዋና ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ኣቶ ብርሃኑ ፀጋየ ነቲ ውፅኢት ከምዚ ክብሉ ኣወጁ።

“ፈለማ ንኣቦ መንበርነት ካብ 177 ኣድመፅቲ 176 ድምፂ ንዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ሂቦም ኣለው።”

ኣብቲ ጉባኤ ዝተሳተፉ ኣባላት እቲ ምርጫ ዴሞክራሲያዊ ከምዝነበረ ገሊፆም ኣለው።ኣብ ወፃኢ ሃገር ኮይኖም ንኢህወዴግ ብምንቃፍ ካብ ዝፍለጡ ኣብቲ ጉባኤ ብተዓዛብነት ካብዝተሳተፉ ዶ/ር ብርሃነ መስቀል ኢህወዴግ ተቓወምቲ የልዕሉዎም ምስ ዝነበሩ ሓሳባት ምስምምዑ ዕግበቶም ብምግላፅ በዚ ክቕፅልሉ ተስፋና እዩ ኢሎም።

ኢህወዴግ ኣብ መወዳእታ ሸውዓተ ነጥብታት ዝሓዘ መግለፂ ኣውፂኡ’ሎ። እቲ መግለፂ ናይ ዜጋታት ምዝንባል፣ናይ ዕስለ ፍርዲ ኢሰብኣዊ ተግባራት ይፍፀሙ ከምዘለው እቲ መግለፂ ከም ብድሆታት ጠቒሱዎም ኣሎ።

“ናይ ዜጋታት ሞትን ምዝንባልን፣ካብ ቦታ ናብ ቦታ ብነፃነት ተዘዋዊርካ ናይ ምስራሕ ሕገ መንግስታዊ መሰላት ክጥሓሱ ይርኣዪ ኣለው።እዞም ፀገማት እዚኦም ካብ ሱሮም ክቡቀሱ ዘለዎም ፀገማት ብምዃኖም ናይ መንነት ይኹን ናይ ወሰን ሕቶታት ብነፃ ድልየት ዝምልከቶም ዜጋታት ኣብ ግምት ብምእታው ብሕገ መንግስታውን ዴሞክራሲያውን መስርሓት ክፍትሑ፣ናይ ዜጋታት ኣብዝኾነ ቦታ ተዘዋዊሮም ናይ ምንባር፣ናይ ምስራሕን ብቋንቍኦም ናይ ምምሃርን ናይ ምድናይን ባህሎም ናይ ምዕባይ …ሕገመንግስታዊ መሰሎም ክኽበረሎም ከምኡ እውን ብሄራዊ መንነትን ሃገራዊ ሓድነትን ከይተነፃፀሉ ንክኽበሩ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ኢና።”

ኣብቲ መግለፂ እሱራት ምፍትሖም ናይ ዴሞክራሲ ሃዋህው ምስፍሑ፣ዝተፈላልዩ ውድባት ናብ ሃገር ኣትዮም ብሰለም ክንቀሳቐሱ ምግባሩ፣ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓደሽ ናይ ሰላም ምዕራፍ ምጅማረ ዓብዪ ናይ ዲፕሎማሲ ዓወት ተባሂሉ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG