ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናብ ኣስመራ ከይደ ምስ ፕሬዝዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንምዝርራብ ቅሩብ እየ ይብሉ ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ


.
.
ቀዳማይ ምንስቴር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማሪያም ደሳለኝ ናብ ከተማ ኣስመራ ብምኻድ ምስ ፕሬዝዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ገፅ ንገፅ ንምዝርራብ ቅሩብ ምዃኖም ምስ ቴለቪዥን ኣል ጀዚራ ኣብዘካየድዎ ቃለ ምልልስ ገሊፆም።
‘’ናብ ኣስመራ ከይድኻ ምስ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኮፍ ኢልካ ክትደራደርዶ ትደሊ ኢልኪ እንተሓቲትኪኒ’’ ኢሎም ነታ ዘዘራረበቶም ጋዜጠኛ ኣልጀዚራ ኣቶ ሃይለማሪያም ደሳለኝ ‘’እወ’’ እዩ መልሰይ ኢሎም።
ክልቲአን ሃገራት ኣብ 2000 ኣ/ፈ ዝተወድአን ህይወት 80 ሽሕ ሰባት ዘጥፍአን ደማዊ ውግእ ካብዘካይዳ ምስ ፕሬዝዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝተራኸበ መራሒ ኢትዮጵያ የለን።
መራሒ ኢትዮጵያ ናይ ዝነበሩ ናይ ኣቶ መለስ ዜናዊ ፖሊሲ ክቕፅልሉ ድልየት ከምዘለዎም ብምግላፅ ኣቶ መለስ ዜናዊ ናብ ኣስመራ ከይዶም ምስ ፕሬዝዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንምዝርራብ ልዕሊ 50 ግዜ ከምዝሓተቱ’ውን ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ተዛሪቦም ኣለው።
ብሕቡራት መንግስታት ዝድገፍ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ባድመን ከባቢኡን ንኤርትራ እያ ትግባእ ክብል ምውሳኑ ይዝከር።እንተኾነ ኢትዮጵያ ነቲ ናይቲ ኮምሽን ውሳነ ብምንፃግ ነታ ከተማ ሒዛታ ትርከብ።
ኢትዮጵያ ንውሳነ እቲ ኮምሽን ክሳብ እትቕበል ወጥሪ ዘህድእ ዝርርብ ኣየካይድን ክትብል ኤርትራ ብቐፃልነት ትገልፅ።ብዛዕባ እቲ ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ዝበልዎ ካብ ኤርትራ ዝተውሃበ ምላሽ የለን።
XS
SM
MD
LG