ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ዝልወጥ ሓዱሽ ነገር የለን ኢሎም ኣቶ ሃይለምሪያም ደሳለኝ


ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ
ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ
ሓድሽ ቀዳማይ ምንስቴር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማሪያም ደሳለኝ ኣብታ ሃገር ዝኾነ ይኹን ለውጢ ወይም ስግግር ኣይህልን ክብሉ ንፓርላማ ኢትዮጵያ ተዛሪቦም።ሎማዕንቲ ሰሉስ ኣብ ፓርልማ ኣብ ዝተኻየደ ሕቶን መልስን ካብ እንኮ ተቓዋሚ ኣባል ፓርላማ ሓዊሱ ንዝቐረቡ ብርክት ዝበሉ ሕቶታት መልሲ ሂቦም ኣለው።
ኣቶ ሃይለማሪያም ደሳለኝ ቃለ ምሓላ ፈፂሞም ናይታ ሃገር ቀዳማይ ምንስቴር ካብዝኾኑ ኣብ ፓርላማ መገልፂ ክህቡ እዚ ንፈለማ እዋን እዩ።ንዝተልዓሉ ብርክት ዝበሉ ሕቶታት ሰፊሕ መብርሂ ሂቦም።
ገሊኦም ንዝፅሕፍዎ ንሕና’ውን ነንብቦ ኢና ዝበሉ ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያን ደሳለኝ ነዚ መንግስቲ እዚ ድፍእ እንተቢልናዮ ገለ ነገር ክህበና እዩ ኢሎም ዝምነዩን ዝሓልሙን ከምዘለው ንሕና’ውን ንሰምዕ ኢና ኢሎም።እንተኾነ ግን ኢሎም ‘’ዋላ ሓደ ዝተለወጠ ነገር የለን፡ስግግር የለን፣ኢህወደግ ኣሎ፤ኢህወዴግ ዝመርሖ መንግስቲ ኣሎ።’’
ኣባል ኣመራርሓ ፓርቲ ሓደነት ንዴሞክራስን ፍትሕን ዝኾኑ ኣቶ ኣንዱኣለም ከምኡ’ውን ካልኦት ናይ ፖለቲካ መራሕትን ጋዜጠኛታትን ብሽብርተኝነት ዝተትሓዙ ብዘይኣግባብ ምዃኑ ኣብቲ ፓርላማ ብሕታዊ ተቓዋሚ ኣባል ፓርላማ ኣቶ ግርማ ሰይፉ ሕቶ ኣቕሪቦም።
ከምዚ ብምባል ‘’ንዓይ ኣንዱ ኣለምን ብፆቱን ኣሸበርቲ ከይኮኑስ ናይ ሃገር ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ንምህናፅ ዝደኽሙ ሓርበኛታት ነፃነት እዮም።ታሪኽ ዝዝክሮም ጅግናታት ነፃነት እዮም።’’
ነዚ መልሲ ዝሃቡ ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ዓመፅ ሓርበኝነት ኣይኮነን እዮም ዝበሉ።ብሰላማዊ መንገዲ ንምቅላስ ዘይመረፁ ተቓወምቲ ብፍላይ ካብ ቀረባ እዋን ንድሓር ናብ ኤርትራ እናኣተው ከምዝርከቡ ኣቶ ሃይለማሪያም ተዛሪቦም።ንሕጋዊ መንገዲ ምኽታል ከምዘዋፅእ እውን ኣተሓሳሲቦም ኣለው።
XS
SM
MD
LG