ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተራእየ ምጥፍፋእ ረድኤት እኽሊ ምጽራይ ይካየድ ምህላው ተገሊጹ

ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተራእየ ምጥፍፋእ ረድኤት እኽሊ ምጽራይ ይካየድ ምህላው ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:25 0:00

ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተራእየ ምጥፍፋእ ረድኤት እኽሊ ምጽራይ ይካየድ ምህላው ተገሊጹ

ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ምጥፍፋእ ንሓገዝ ዝኣተወ እኽሊን ካልእ ጥረ ነገራትን ኣመሪካ እትረከበን ዓበይቲ ለገስቲ ኣካላት ሓገዝ ምቍራጸን ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ነቲ ዝተባህለ ምጥፍፋእ ብዝምልከት መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሰብ-መዚ ኣመሪካ ኣብ ዝርርብ ከም ዘሎ ወሃብ-ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳድር ኣለም መለስ ኣብ ናይ ሎሚ መግለጺኦም ኣመልኪቶም።

ኣብ ክልል ትግራይ ኣብዚ ጉዳይ ዝተጣየሰት ኮሚተ’ውን ኣፈናዊ ጸብጻብ ትማሊ ኣቕሪባ ኣላ። ጸብጻብ ኣጻራዪት ኮሚተ ቀጻሊ ምዃኑ ዝተሓበረ ክኸውን እንከሎ፡ ዛጊት ገይራቶ ብዘላ ዳህሳስ ኣብቲ ምጥፍፋእ እኽሊ ሓገዝ ኢድ ነይሩዎም ዝበለቶም በበይኖም ኣካላት ሰምያ ኣላ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG