ኣብ ኣዋሰንቲ ወረዳታት ኦሮሚያን ሶማሊያን ብሰንኪ ዝተልዓለ ግጭት ዝተመዛበሉ ዜጋታት ይሕገዙ ምህላዎም ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያን ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀልን ኣፍሊጦም።
ብሰንኪ ድርቅን ሕፅረት ዝናብን ኣፀጋሚ ዝነበረ ናብራ ዜጋታት ግጭት ኣተሓላሊኹዎ’ሎ ክብሉ ኣብ ኢትዮጵያ ተፀዋዒ ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ሓቢሮም።
ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያን ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀልን ብሓባር ሎሚ ኣብዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ብሰንኪ ግጭት ካብ ክልላት ኦሮሚያን ሶማሊያን ዝተመዛበሉ ዜጋታት ንምሕጋዝ ንወለንተኛታትን ኣምቡላሳትን ብምውፋር እናሓገዙ ምህላዎም ዋና ፀሓፊት ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ወ/ሮ ፍረህይወት ወርቁ ገሊፀን።
“ክሳብ ሎሚ ን31,885 መራሕቲ ስድራ ኦሮሚያን ሶማሊያን ወይ ን159,425 ሽሕ ሰባት ልዕሊ 76 ሚሊዮን ብር ዝግመት ሓገዝ መግቢ ተዋሂቡ’ሎ። “
ኣገልግሎት ኣምቡላንስ ቀዳማይ ረድኤት ሕክምናን ይውሃብ ከምዘሎን 227 ዝተጠፋፍኡ ኣባላት ስድራ እውን ከምዘራኸበ ገሊፀን።
ዓለምለኸ ኮምቴ ቀይሕ መስቀል እውን መግቢ ተንከፍ ንዘይኮኑ ናውትን ካልኦት ተዛመድቲ ኣገልግሎታትን ልዕሊ 30 ሚሊዮን ብር ከምዝሓገዘ ኣፍሊጡ’ሎ።
ኣብ ኢትዮጵታ ተፀዋዒ እቲ ኮምቴ ጄሜስ ረይኖልድስ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ኩነታት ኣዚዩ ዘተሓሳስብ እዩ ኢሎም።
“ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ እቲ ኩነታት ስለዝበኣሰ ኣተሓሳሲቡና’ሎ።ብዙሓት ሰባት ተመዛቢሎ፤ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን እውን ሓያሎ ሰባት ተቐቲሎም።እዚ ንዓና ብዝለዓለ ደረጃ የተሓሳስበና እዩ።
“ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ኩነታት ኣፀጋሚ እዩ።ተመዛበልቲ ቀፃሊ ዕፅኦም ዘይምፍልጣኦም ኸኣ ብዝገደደ ኣፀጋሚ ይገብሮ።ክሳብ መዓስ እዮም ተመዛቢሎም ክፀንሑ?ናብ ከባቢኦም መዓስ እዮም ክምለሱ?ክምለሱ ድዮም ወይስ ናብ ካልእ ከባቢ ክውሰዱ እዮም?ዝብሉ ሕቶታት የተሓሳስበና።”
ጄሜስ ረይኖልድስ ተወሰኽቲ ሰባት ከምዘይመዛበሉ ተስፋ ንገብር ዝበሉ ንሶም ኣብቲ ከባቢ ዝርአ ሕፅረት ዝናብን ግጭትን ብዝበለፀ ንኩነታት ኣፀጋሚ ከምዝገበሮ ወሲኾም ሓቢሮም።
ከም ገለልተኛ ሰብኣዊ ትካል ኣፈታትሓ ግጭት ብዝምልከት ጉዳይ ዓለምለኸ ቀይሕ መስቀል ኣይኮንነ ግን ዘተሓሳስቡና ነገራት ኣለው፤ሓድሽ ምምዝባልን ግጭትን ንምክልኻል ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ማሕበረሰብ፣ዓበይቲ ዓዲ፣መራሕቲ ሃይማኖት፣ኣካልት ምምሕዳር ጣቢያን ወረዳን ከምኡ እውን ፖሊስን ሓይልታት ፀጥታን ብሓባርን ብህፁፅን ክሰርሑ ኣለዎም ኢሎም ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።