አዲስ አበባ —
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ተዳወብቲ ከባቢታት ክልላት ኦሮምያን ሶማሌን ብሰንኪ ዝተፈጥረ ጎንጺ ትኽክለኛ ቁጽሪ ዝሞቱን ዝተመዛበሉን ይጻረ’ሎ ክብሉ ኣብ መንግስታዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ሚንስትር ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን ዶ/ር ነገሬ ሌንጮ ኣፍሊጦም።
ኣብዚ እዋን’ዚ ዘሎ ኩነታት’ውን ካብ ጎንጺ ፈጺሙ ነጻ ከምዘይኾነን ሓደ ሓደ ዕጡቓት ሓይልታት ጸጥታ ይህውኹ’ለው ክብሉ ተዛሪቦም።
ኣብ ቀረባ ዝኽበር ባህላዊ በዓል ኢሬቻ ብሰላም ክኽበር’ውን እኹል ምድላው ይግበር’ሎ ኢሎም።
ሚኒስትር ኮሚኒኼስን ኢትዮጵያ ዶ/ር ነገሬ ሊንጮ ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ እቲ ጎንጽታት ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር’ዩ ክብሉ’ውን ሓቢሮም።