ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ዘካየዱ ኣምባ. ማይክ ሃመር


 ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር
ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር

ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን (ህወሓት) ዘለው ኣፈላላይ ብፖለቲካዊ ልዝብ ክፍትሑ ከምዝግባእ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ንጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ጸዊዖም።

ንሶም ሎሚ ዓርቢ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ዝሓለፉ ቁሩብ መዓልታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሮም ጻንሒት ኣብታ ሃገር ዝረኣዩ ዘለው ግጭታት ሰላማዊ መፍትሒ ዝረኽብሉ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ናይ ሰላም ሃዋህው ዝቕጽለሉ ኩነታት ብዝምልከት ምዝርራቦም ኣፍሊጦም።

ንሶም ኣብቲ ንክልተ ዓመታት ዝጸንሓ በኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸር ህይወት ሰባት ዝወሰደ ኵናት ሰሜን ኢትዮጵያ ዝዛዘመ ስምምዕ ፕሪቶርያ ንኣስታት ክልተ ዓመት ምቅጻሉ ንዒዶም ዘላቂ ክይኑ ክቕጽል ከምዘሎ ግን ብትሪ ሓቢሮም።

እቲ ስምምዕ ብሙሉእ ዝትግበረሉ ኩነታት ብዝምልከት ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰብ-መዚ ክልል ትግራይን ከምዝተዘራረቡ'ውን ኣምባ.ማይክ ሃመር ሓቢሮም። ኣብ ቀጻሊ ክትግበሩ ንዘለዎም ጉዳያት’ውን ዘርዚሮም።

"ናይቲ ስምምዕ ክልተ ነጥብታት ብምሉእ ምትግባሮም ምርግጋጽ በቲ ኵናት ካብ መንበሪኦም ዝተመዛበሉ ወገናት ድሕነቶም ተሓልዩ ናብ መነብሪኦም ክምለሱ ትኹረት ክግበረሉ ይግባእ" ዝበሉ ኣምባ. ማይክ ሃመር፡ "ዲዲኣር ተዋጋእቲ ሓይልታት ዕጥቒ ምፍታሕን ናብ ሕብረተሰብ ምሕዋስን ምፍጻሙ ምርግጋጽ ከምኡ ውን ቀንዲ ጉዳያት ብፖለቲካዊ ልዝብ ምፍታሕ የድልይ" ኢሎም። ኣመሪካ ንግዝ ኣታዊ ሓድነትን ሉኣላዊነት ኢትዮጵያ ዘለዋ ደገፍ ከምትቕጽል ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምትሕብባር'ውን ቀንዲ ጉዳይ እቲ ርክብ ምንባሩ ሓቢሮም።

ሓይልታት ትግራይ ዝነበሩ ዕጥቆም ክፈትሑ ክሰናበቱን ናብ ማሕበረሰብ ክሕወሱን፣ ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ፈቃደኛ ከምዝኾነ፣ እቶም ተዋጋእቲ’ውን ቅሩባት ከምዘለው ዝገለጹ ኣምባሳደር ሃመር፣ እዚ መስርሕ’ዚ ብቅልጡፍ ንክትግበር ኣተሓሳሲቦም።

ብግዚኡ ዝኸፍኣ ኵናት ዝነበረ ሰሜን ኢትዮጵያ፣ ዳግም ክደግሶ ዝኾነ ምክንያት ክሕልው ከምዘይግባእ’ውን ብትሪ ሓቢሮም ።

ኣምባሳደር ሃመር ወሲኾም ሰራዊት ኤርትራን፡ ካብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ወጻኢ ዝኾኑ ዕጡቃትን፣ ካብ ዝተቆጻጸርዎም ከባቢታት ሙሉእ ብሙሉእ ንክወጹ ጸዊዖም።

ሰበ-ስልጣን ክልል ትግራይን ኤርትራን ተዘራሪቦም ተባሂሉ ኣብ’ዚ ቀረባ ብዛዕባ ይዝረበሉ ዘሎ ሓበሬታ ብድምጺ ኣመሪካ ዝተሓተቱ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር "ንሕና ንደልዮ፣ ኢትዮጵያን ኤርትራን፣ ተመሊሰን ናብ ኹናት ከይኣትዋ’ዩ። ዝካኣል እንተኾይኑ ውዕል ኣልጀርስ መሊኡ ንክትግበር ክንሕግዝ ኢና ንደሊ፣ስለዚ፣ ክልቲኦም ወገናት እንተተላዚቦም፣ ብዝኾነ ወገና ዝፍጸም ግህሰት መሰላት ደው ንምባልን፣ ርክብ ክልቲኦም ወገናት ንምምሕያሽ፣ ብግጭት ይሕመስ ንዘሎ ዞባ ኣብ ዝረብሑ ጉዳያት ከማእክል ኣለዎ "ክብሉ መሊሶም።

ብዘይካዚ፣ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ዝራኣዩ ግጭታት፣ ብሰላም ንምፍታሕ ሃገሮም ብዛዕባ ትገብሮም ዘሎ ጻዕሪታት’ውን ኣብሪሆም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG