ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

‘ኢትዮጵያ፡ አብ ፖለቲካዊ፡ማህበራዊን ኢኮኖሚያዊን ቅልውላው ትርከብ’ ሰማያዊ ፓርቲ


ኣብ ኢትዮጵያ ምምስራት ህዝባዊ መንግስትን ምሕላው ልኡላውነት ሃገርን ሓላፍነት ኩሉ ዜጋ ብምዃኑ ኩሎም ኢትዮጵያዊያን ክልዓሉ ሰማያዊ ፓርቲ ጸዊዑ።ኣብዚ ሕጂ እዋን ምስ መንግስቲ ንምልዛብ ዝክኣለሉ ኩነታት የለን እውን ኢሎም ኣለው መራሒ ሰማያዊ ፓርቲ።ሰማያዊ ፓርትን መድረኽን ብሓባር ንምስራሕ ይዘራረቡ ምህላዎምን ተገሊጹ።

ሰማያዊ ፓርቲ ሎሚ ኣብ ዝጸውዖ ጋዜጣዊ መግለጺ ኢትዮጵያ ሎሚ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ብፖለቲካ፣ማሕበራውን ቁጠባውን ኣብ ዝኸፍአ ቅልውላው ትርከብ ይብል።

እቲ መግለጺ ገዛኢ ጉጅለ ኢሉ ዝጸውዖ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ዝተሓላለኸ ጸገም ንምፍታሕ ዓቕሚ ይኹን ድልየት የብሉን፤ኣብ ምሉእ ሃገር ናይ ዓፈና ስጉምቲ ብዝኸፍአ ቀጺልዎ’ሎ ክብል ይኸስስ።

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ሕጋዊን ሰላማውን ብዝኾነ መንገዲ መሰሎም ዝሓተቱ ዜጋታት መንግስቲ ብጅምላ ቐቲሉዎምን ኣሲሩዎም ይብል መግለጺ’ቲ ፓርቲ።

ናይቲ ፓርቲ ጋዜጣ ዋና ኣሰናዳኢ ጌታቸው ሽፈራው ሓዊሱ ናይቲ ፓርቲ ኣባላት ዮናታን ተስፋየ፣ቴድሮስ ኣስፋው፣ዳንኤል ተስፋየ፣ኤርሚያስ ፀጋየ፣ፍሬው ተክሌን ካልኦትን ተቐጥቂጦም ናብ ቤት ማእሰርቲ ተደርቢዮም ኣለው’ውን ይብል።

ሓላፊ ርክባት ወጻኢ ሰማያዊ ፓርቲ ኣቶ ኣበበ ኣካሉ ብዛዕባ’ቲ ኩነታት ከምዚ ይብሉ።

‘ኣብ ሃገርና ዝበጸሐ ግፍዕን በደልን ደው ንምባል፣ህዝባዊ መንግስቲ ንምጥያሽ፣ምሕላው ሃገራዊ ክብርን ልኡላውነትን ሓላፍነት ሒደት ውልቀሰባትን ጉጅለታትን ከይኮነስ ሓላፍነት ኩሎም ኢትዮጵያዊያን ብምዃኑ ኩሎም ኢትዮጵያዊያን ንጻውዒት መስዋእትነት ደቆም ብምቕባል ቆሪጾም ንኽልዓሉን ብጽሒቶም ንከወፍዩን ጻውዒትና ነቕርብ ኣለና’ ኢሎም።

ካብ ሰበስልጣን መንግስቲ ብተደጋጋሚ ከም ዝዝረብ ዝኾነ ይኹን ሰብ ሓሳቡ ስለዝገለጸ ወይ ናይ ፓርቲ ኣባል ስለዝኾነ ኣይእሰርን’ዩ ክብሉ መልሲ ምሃቦም ይዝከር።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይኸአል።

XS
SM
MD
LG