ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለምለኸ መዓልቲ ፕረስ፡ ሃገራት ኤስያ ዝተሓተ መስርዕ ይሕዛ


ሎሚ ተዘኺሩ ኣብ ዝውዕል ዓለምለኸ መዓልቲ ናጻ ፕረስ፡ ኣብቲ ጉዳይ ኣተኲሩ ዝሰርሕ ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ፖለቲካዊ ሓጎጽጎጽን ቴክኖሎጂ ዘምጽኦ መሳርሒታትን ንምንቁልቋል ናጻ ፕረስ ዓቢ'ዚ ዓመት ኣበርክቶ ጌሩ ክብል ኣንቢሩ።

ኣብቲ ሎሚ 3 ግንቦት ዘውጽኦ መግለጺን ዝዝርግሖ ተርታ ሃገራትን ኖርወይ፡ ንሻውዓይ ዓመት ኣከታቲላ እታ ዝበለጸ ናጻ ፕረስ ዝረኣየላ ሃገር ተሰይማ ኣላ። ብጽቡቕ ባይታ ናጻ ፕረስ፡ ካብ 180 ሃገራት ንኖርወይ ተኸቲለን፡ ኣየርላንድን ደኒማርክን ክስዕባ እንከለዋ፣ ዝተሓተ መስርሕ ዝሓዛ ድማ ሰለስተ ሃገራት ኤስያ’የን። ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት መስርዕ ዝርዝር፡ ብዝኸፍአ መሰል ፕረስ ሰሜን ኮርያ ናይ መጨረሽታ መስርዕ (180 ካብ 180 ሃገራት) ክትሕዝ እንከላ፡ ንናጻ ጋዜጠኛታት ብዘካየደቶ ከቢድ ሃድን ድማ ቻይና ኣብ መበል 179 ካብ 180 ሃገራት ተሰሪዓ ኣላ። ብተመሳሳሊ ድማ ቬትናማ ሳልሰይቲ ዝኸፍአት ሃገር ናጻ ፕረስ ብምዃን 178 ተርታ ሒዛ ኣላ።

ኤርትራ ኣብ ዓመታዊ ተራ ናጻ ፕረስ ተደጋጋሚ ዓመታት ኣብ መወዳእታ ወይ ጥቓኡ ክትስራዕ ምጽናሓ ዝፍለጥ’ዩ። ኣብዚ ናይ 2023 ምድብ ግን ኤርትራ መበል 174 ካብ 180 ሃገራት ተሰሪዓ ኣላ። እንተዀነ ከም ጸብጻብ ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ መዳይ ናጻ ፕረስ፡ ኣብዚ ዓመት ዝተራእየ ምዕበላ የለን። እቲ ትካል ኣብ ጸብጻቡ፡ ኣብዚ ዓመት፡ ኣብ ኤርትራ 15 ሰራሕተኛታት ሜድያን ጋዜጠኛታትን ኣብ ማእሰርቲ ምህላዎም ጠቒሱ ኣሎ።

ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ጸብጻብ፡ ኢትዮጵያ ኣብ መበል 130 ተርታ ተሰሪዓ ትርከብ። ብመሰረት ጸብጻብ ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተወልዐ ኲናት ቀንዲ ጠንቂ ምንቍልቋል ፕረስ ክጥቀስ እንከሎ፡ 12 ጋዜጠኛታት’ውን ተኣሲሮም ምህላዉ ተመልኪቱ።

XS
SM
MD
LG