ናፃ ሚድያ፣ኣብ ምርግጋፅ ጥዑይን ተፈራሓይን ህዝቢ ወሳኒ ግደ ኣለዎ።እንተኾነ፣ፅምኢ ዘይተገደበ ሓበሬታ ብደረጃ ዓለም ኣብ ዝርኣየሉ እዋን፣ገለ መንግስታት ናፅነት ሚድያ ንምድራትን ንምዕፃውን ክንዲ ዝካኣሎም ይገብሩ‘ለው።
ዮኤል ስምኦን ተጠባባቂ ዳይረክተር ኮሚቴ ተሓለቅቲ ጋዜጠኛታት‘ዩ። እቲ ትካል ኤርትራ ቀዳመይቲ ኮይና ንዝተሰርዓትሉን ዓሰርተ ናፅነት ሚድያ ዝዕፍናን ሃገራት ንዝሓዘ ሪፖርት ወግዓዊ ገይሩ‘ሎ።
“ኤርትራ ሙሉእ ንሙሉእ ዝተዓሸገት ሃገር‘ያ።ካብ ደገ ጋዜጠኛ ኣይኣትዋን። ዓለም-ለኻዊ ሚድያ ኣብ‘ታ ሃገር የለን።ሙሉእ ንሙሉእ ሳንሱር ትገብር ሃገር‘ውን‘ያ” ይብል።
ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኤምባሲ ኤርትራ ዝሰርሕ ዳዊት ሃይለ ግና እቲ ሪፖርት መሰረት ዘይብሉ‘ዩ ይብል።”ኣብ ሙሉእ‘ታ ከተማን ኣብ ገፀራትን ዝተፈላለየ ዓይነታት ዲሽ ሳተላይት ኣሎ።ከምኡውን እታ ከተማ ኢንተርኔት ካፈታት ኣለዋ።ህዝቢ ንኩሎም ዓይነታት ሓበሬታ‘ዩ ዘንብብ” ኢሉ ንሱ።
ኣብ‘ቲ ናይ ሎም-ዘበን ሪፖርት CPJ ኤርትራ ጥራሕ ኣይኮነትን ተጠቂሳ ዘላ።ሰሜን ኮርያ፣ሶርያ፣ኢራን፣ኢኳቶርያል ጊኒ፣ኡዝቤክስታን፣በርማ፣ኩይባ፣ ቤላሩስን ስዑድ ዓረብን ተከሲሰን‘ለዋ።
ኩምራ ሓበሬታ ኣብ ዝፍነወሉ ኣብ‘ዚ ዘመን’ዚ፣ሓሓሊፉ ኣየናይ ሓበሬታ‘ዩ ሓቂ? ዝብል ሕቶ ንምምላስ ኣፀጋሚ’ዩ።መንግስታት ብወገኖም፣ረብሓኦም ንምዕቃብ ኢሎም፣ህዝቢ ክረኽቦ ንዝግባእ ሓበሬታ ይድርቱ ኣለው።
ሓበሬታ ንምርካብን ናብ ህዝቢ ንምዝርጋሕን ኣጓኒፎም ዘለው ዕንቅፋታት ብዘየግድስ፣ጋዜጠኛታት ንሓደ ልእኽቶ ኣይርስዑን፣እቲ ዘቅርብዎ ሓበሬታ ሓቂ ክኾን ኣለዎ ዝብል።መብዛሕተኦም ጋዜጠኛታት ነዚ ክቡር ዕላማ‘ዚ ኣይዘንግዑን።ገሊኦም ድማ ኣብ ምዕዋት‘ዚ ልእኹቶ‘ዚ ኢሎም ክሳብ መስዋእትነት ምኽፋል በፂሖም‘ዮም።ኣብ‘ዛ ዓመት‘ዚኣ‘ኳ 17 ጋዜጠኛታት ተቀቲሎም‘ለው።
ኤርትራ ንዝርዝር ሃገራት ዓፈንቲ ሚድያ ትመርሕ