ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮምሽን መሰላት ሕ/ሃ ብዛዕባ ቅልውላው ኣብ ኢትዮጵያ መጸዋዕታ ኣቅሪቡ


ኣብ ብርክት ዝበሉ ከተማታት ኦሮምያ ሎሚ’ውን ተቃውሞ ጸረ መንግስቲ ቀጺሉ ከምዘሎ ዝገለጸ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ፣ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ሓላፍነቶም ብመንጽር ዓለም-ለኸ ሕግታት ንክፍጽሙ፣ ተቃወምቲ ድማ ህውከትን ጎነጽን ንከውግዱን ጸዊዑ።

መንቀሊ ሰንበት ዝተኸሰተ ሓደጋን ካልኦት ተመሳሳልቲ ሓደጋታት ብናጻ ወገን ንክጻረ፣ ተሓታታይ ወገን ንክህሉ’ውን ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ገለ ከባቢታት ኢትዮጵያ ንኣገልግሎት ኢንተርኔት ኣብ ክንዲ ምዕጻው፣ መንግስቲ መንቀሊ’ቲ ቅልውላው ንክፍትሽን፣ ብሕልፊ ናጻ ጉጅለ ተዓዛቢ ናብ ክልል ኦሮምያ ንክኣትው ንክፈቅድ ጸዊዑ

ብዘይካ’ዚ፣ ጸሓፍቲ ኢንተርኔት ስዩም ተሾመን ናትናኤል ፈለቀን ብምእሳሮም ሻቅሎት ሓዲሩኒ’ሎ ይብል እቲ ኮምሽን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓሳቦም ስለዝገለጹ ኢሉ ንዝኣሰሮም ንክፈትሕ’ውን ጸዊዑ። ብመሰረት ደንጉዩ ዝመጸና ዜና፣ እዞም ጸሓፍቲ ኢንተርኔት ብዋሕስ ተፈቲሖም ኣለው።

XS
SM
MD
LG