ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ምብፃሕ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብ ኢትዮጵያ መድረኽ ምትሕብባር ዘሕይል'ዩ' ዲና ሙፍቲ


ፕረዚደንት ኤርትራ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ኢትዮጵያ ዘካየዱዎ ናይ ስራሕ ዑደት ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዘካይድኦ ምትሕብባራት: መድረኽ ርክባት ከምዝፈጥር ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ተዛሪቦም።ኣብቶም ዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት ልዕሊ 900 ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ምምላሶም እውን ገሊፆም።

ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ሰላማዊ ርክብ ግቡእ ኣፍልጦ ክወሃቦ ከምዝግባእ ኣረዲኦም። ዘይምዕዳል ኮይኑ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ኣሓት ህዝብታት ቅድሚ 20 ዓመታት ናብ ግጭት ኣትዮም ደም ምፍሳሶም ግቡእ ኣይነበረን፤ ድሕሪኡ ድማ ኣይ ሰላም ኣይ ኲናት ንዓመታት ዓብይ ጉድኣት ከምዘስዓበ ሓቢሮም።ቅድሚ ክልተ ዓመታት ዝጀምረ ርክብ ግን ነዚ ቀይሩዎ ኣሎ ኢሎም።

ብክልቲኡ ወገን ናይቲ ሰላም ደረጃ ኣይዓበየን እንተተባህለ እውን ናይ ክልቲኦም መራሕቲ ርክባት ንመፃኢ ርክባት መሰረት ዘደልድል እዩ ኢሎም።

ኣብዚ ሰሙን ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኢትዮጵያ ዘካየድዎ ዑደት እውን ናይዚ ኣካል እዩ ኢሎም።

እቶም ፕረዚደንት ናብዚ መፂኦም ንግድብ ህዳሴ እውን ሓዊሱ ናይ ልምዓት ከባቢታት ተዓዚቦም ኣለው።እዚ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ክህልው ዝኽእል ርክብ ኣበየናይ ዓዉዲ ክተሓባበሩ ከምዝኽእሉ፣ሓቢሮም ክሰርሑ ከምዝኽእሉ ዘርኢ መድረኽ እዩ ኢሎም።ንሶም ብምውሳኽ ኣብ መንጎ መራሕቲ ተደጋጋሚ ዝፍጠር ምቅርራብ ኣብ መንጎ ሃገራት ንዝፍጥረ ርክብ መስረት እዩ ዝኸውን:ስለዚ በዚ መንፅር እቲ ዑደት ብሃናፃይነቱ ምርኣይ እዩ ዝሓይሽ ኢሎም ። ኣምባሳደር ዲና ብኮቪድ ዝተቋረፁ ካብ በረራ ጀሚሩ ክሳብ ናይ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ርክባት ምስ ተመዓረረዩ ምስ ኤርትራ ዘሎ ርክብ ክመዓራረይ ይኽእል እዩ ኢሎም ።

ፕረዚደንት ኢሳያስ ዘካየድዎ ዑደት ብዝምልከትን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ክፍጠር ዝድለ ዘሎ መብርሂ ዘድልዮም ዝርዝር ንምፍላጥ ጋዜጠኛታት ተወሰኽቲ ሕቶታት ሓቲቶም ነይሮም።ካብ ቤት ፅሕፈት እቲ ሚንስትሪ መብርሂ ከምዘይትወሃበ ብምዝኽኻር ቅሬትኦም ንዝገለፁ ጋዜጠኛታት ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ምላሽ ሂቦም ኣለው።

"ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣብቲ ዑደይ ብወግዒ ተሳቲፎም እዮም።ሚንስትር ጉዳይ ወፃኢ ኢትዮጵያ'ውን ተሳቲፎም እዮም። ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣይነበሩን እንታይዶስ ዝብሃል ነገር ጌጋ እዩ።ኣብ ናይ ግድብ ህዳሴ ምይይጥ እውን ሚንስትር ጉዳይ ወፃኢ ብውክልና ነይሩ" ኢሎም።

ብዛዕባ ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ቁፅሮም ዘይንዓቕ ኢትዮጵያዊያን ናብ ሃገሮም ከምዝተመለሱ ተዛሪቦም።993 ዜጋታት ዝተመለሱ ክኾኑ ከለው ካብ ስዑዲ ዓረብ 955: ካብ ታንዛኒያ 5:ካብ ጅቡቲ 35 ተመሊሶም ኣለው ኢሎም።ፀገማት ንምፍታሕ ዝተፈላለዩ ፃዕርታት ከምዝተኻየዱ እውን ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG