ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሬዝዳንታት ሱዳንን ኤርትራን ኣብ ኣስመራ ተራኺቦም


Map of Eritrea
Map of Eritrea
ናይ ሱዳን ፕሬዝዳንት ኦማር ሓሳን ኣል-በሽር ምስ ፕሬዝዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ኣስመራ ተራኺቦም ኣብ ክልትኣዊ፣ከባቢያውን ዞባውን ጉዳያት ምዝርራቦም ዝረኸብናዮ ዜና ሓቢሩ።

ናይ ኤርትራ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ሻባይት ክልቲኦም ወገናት ታሪኻዊ ርክባት ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንምጥንኻር ሓሳብ ንሓሳብ ተቐያይሮም ካብ ምባል ዝርዝር ኣይሃበትን።
ዑደት ልኡኽ ሱዳን ፍሉይ ልኡኽ ግዚያዊ ፕሬዝዳንት ግብፂ ኣድልዪ መንሱርን ምኽትል ወፃኢ ምንስቴርን ሓምዲ ሳናድ ሎዛ ኣብ ኤርትራ ዑደት ፈፂሞም ምስ ፕሬዝዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ድሕሪ ምርኻቦም ድሕሪ ሓደ ማዕልቲ እዩ ዝካየድ ዘሎ።
XS
SM
MD
LG