ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማን ሚት ራምኒን ካልኣይ ክትዕ ኣካይዶም


ክትዕ ኦባማን ራምኒን
ክትዕ ኦባማን ራምኒን
ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማን ሪፓብሊካዊ ፕሬዝዳንታዊ ሕፁይ ሚት ራምኒን ትማሊ ሰሉስ ምሸት ንምሉእ እታ ሃገር ብቴለቭዥን ኣብ ዝተመሓላለፈ ካልኣይ ክትዕ ኣካይዶም።እዚ ክርክር እዚ ካብቲ ዝሓለፈ ቀዳማይ ክትዕ ብተደጋጋሚ ናብ ውጥጥ ዝኣተውሉን ዝተፋጠጥሉን ነይሩ።
ኣብቲ ዝሓለፈ ቀዳማይ ፕሬዝዳንታዊ ክትዕ ዝሕቱል ምንቅስቓስ ድሕሪ ምግባሮም ፕሬዝዳንት ኦባማ ኣብዚ ናይ ትማሊ ካልኣይ ክርክር ዕቱብን መጥቕዓይን ነይሮም።
ንሶምን ሚት ራምኒን ኣብ ጥቓ ኒው ዮርክ ኣብዝርከብ ናይ ኦፍስትራ ዩኒቨርስቲ መአከቢ ኣዳራሽ ንመን ከምዝመርፁ ገና ዘይወሰኑ መረፅቲ ንዝቕረብዎም ሕቶታት መልሲ ሂቦም።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ኣብ ሊብያ ቤንጋዚ ኣብዝርከብ ቆንሱላር ዩናይትድ ስቴትስ ንኣምባሳደርን ንካልኦት ሰለስተ ኣሜሪካዊያንን ብዛዕባ ዝቐተለ መጥቓዕት ሕቶ ቐሪቡ ነይሩ።
ፕሬዝዳንት ኦባማ እቲ መጥቓዕቲ ንኽፍፀም ንዝተፈፀመ ናይ ፀጥታ ኽፍተት ሙልእ ሓላፈነት ከምዝወስዱ ብምግላፅ ነገር ግን ራምኒ እቲ መጥቓዕቲ ምስተፈፀመ ሽዑ ንሽዑ ንዝሃብዎ መልሲ ነቒፎም።
ንደሕንነት ዲፕሎማሰኛታትና ኣብ እንሰርሐሉ ዘለና እዋን ሚት ራምኒ ፖለቲካዊ ሸቶ ንምምዝጋብ ዘውፅእዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ሓደ ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ከሰርሖ ዘይግባእ እዩ ኢሎም ኦባማ።
ሚት ራምኒ ብወገኖም ኣብ ቤንጋዚ ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ መርኣያ ኣብ ምሉእ ማእኸላይ ምብራቕ ዝርአ ዘሎ ናይቲ ምምሕዳር ውድቀት ፖሊስ ወፃኢ እዩ ኢሎም።ድሕሪ እቲ መጥቓዕቲ ፖለቲካ ዝተፃወቱ ንሶም ከይኮኑስ ፕሬዝዳንት ኦባማ እዮም ከም ኣበሃህላ ሚት ራምኒ።
ኣብ ጉዳይ ቁጠባ ፕሬዝዳንት ኦባማ ዛጊድ ንዘመዝገብዎ ብምዕቃብ ኢኮኖሚያዊ ሕውየት ንምስላጥ ኣበርቲዖም ምስርሖም ከምዝቕፅልሉ ገሊፆም ኣለው።’’ብወርሒ 800 ሽሕ ስራሕ ካብ ምስኣን ወፂኢና ዛጊድ ሓሙሽተ ሚሊዮን ስራሕቲ ፈጢርና ኣለና።ኣብ ቀልቀል ውድቀት ዝነበረ ናይ መኪና ኢንዱስትሪ’ውን ኣድሒናዮ ኣለና።’’
ሚት ራምኒ ብወገኖም ኦባማ ኣብ ዘርኣይዎ ዝሕቱል ኢኮኖሚያዊ ምንቅስቓስ ኣብ ካልኣይ ናይ ስልጣን ዘመኖም’ውን ከምዘየምሓይሹዎ ገሊፆም። ከምዚ ብምባል ‘’ክዛረበኩም ዝደሊዮ ንፕሬዝዳንት ኦባማ እንተመሪፅኩምዎም እንታይ ከምዝፅበየኩም ክትፈልጡ ኣለኩም።እቶም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት እዮም ክድገሙ።’’
ድሕሪ እቲ ክትዕ ኣብዝተኻየዱ ብርክት ዝበሉ መዐቀኒ ሪኢቶታት ህዝቢ ፕሬዝዳንት ኦባማ ብዝተውሰነ ፀብለልታ ኣሪኢዮም ኣለው።ኦባማን ራምኒን ኣብ ጉዳያት ፖሊስታት ወፃኢ ዘተኮሩ ጉዳያት ንምክርኻር ንሳልሳይን ናይ መወዳእታን ክርክር ዝቕፅል ሰኒ ኣብ ፍሎሪዳ ክራኸቡ እዮም።V
XS
SM
MD
LG