ዋሽንግተን —
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደንን ቅድሚኦም ፕረዚደንት ዝነበሩ ዶናልድ ትራምፕን፣ ሎሚ ሓሙስ ንምርጫ ኣብ ዘቀራርብ ክትዕ ክጽመዱ እዮም።
ትራምፕ ብወገኖም "ባይደን፣ ነዛ ሃገር’ዚኣ የዕንዋ ኣሎ" ባሃላይ እዮም: "ዝቅባበ ይንህር ኣሎ። ገበን ልዕሊ ቁጽጽር ኮይኑ። ኣውሮጳ ኣብ ቅልውላው ጥሒላ። ማእከላይ ምብራቅ ይባራዕ ኣሎ። ኢራን ትግብል ኣላ። ቻይና ትምርሽ ኣላ። እዚ ዝሓመቀ ፕረዚደንት’ዚ ድማ፣ ናብ ሳልሳይ ውግእ ዓለም የጥሕለና ኣሎ።"
ባይደን ብወገኖም፣ ትራምፕ ነዛ ሃገር’ዚኣ ንድሕሪት ክመልሳ እዩ ኢሎም ይነቅፉ፣ "ኩሉ ዓይነት ምዕባለ፣ ኩሉ ነጻነትን ኩሎም ዕድላትን ኣብ ሓደጋ ወዲቆም ኣለው። ትራምፕ ይገብሮ ዘሎ፣ ህዝቢ ነቲ ንሱ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ዝነበረቶ ጸልማትን ዕረፍቲ ዘይህብን ኩነታት ንክርስዖ እዩ ይፍትን ዘሎ። ኣይንርሰዖን ኢና።"
ናይ ሎምዘበን ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣዝዩ ዝተቀራረበ ስለዝኾን ናይ ሎሚ ክትዕ አገዳሲ እዩ ዝብሉ ተንተንቲ ብወገኖም፣ ሕጹያት፣ ዕድላትን ሓደጋታትን ኣብ ቅድሚኦም ኣሎ ይብሉ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
ቅጥዒ