ቀዳማይ ክትዕ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ`ዚ ዓመት ዝመጽእ ሓሙስ ክካየድ `ዩ። እንተኾነ ከም ጉዳይ ኢሚግረሽንን ብይናት ቤት ፍርድን ዝበሉ ኣርእስትታት ድሮ ክጎሃሃሩ ጀሚሮም ኣለዉ።
ኣመሪካውያን ነቲ ክትዕ ብትኹረት ካብ ዝጽበይዎ ዘለዉ ነገር ሓደ፡ ፕረዚደንት ባይደን ንሪፓብሊካን ሕጹይ ዶናልድ ትራምፕ ንምጥቃዕ ነቲ ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ዝተበየነ ገበን ምድንጋር ገንዘብ ይጥቀም`ዶ ይኸውን ዝብል `ዩ፡፡ ሚች ላንድሪው ካብ መንጎ ኣተሓባበርቲ ወፍሪ ምርጫ ባይደን ሃሪስ`ዩ፡ “ ትራምፕ ብቤት ፍርዲ ገበነኛ ምባሉ ጥራይ ኣይኮነን። ናብ ባህርያቱን ጠባያቱን ዝሰግር`ዩ። ክዝከር ዘለዎ ነገር፡ ትራምፕ፡ ሽዱሽተ ግዜ፡ ከሲረ ኢሉ ወረቐት ዘእተወ`ዩ። እዚ ማለት ክፉእ ነጋዳይ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነቶም ኣብ ትሕቲኡ ኮይኖም ህይወቶም ዝመርሑ ሰባት `ውን ተጻዊቱሎም ማለት `ዩ። “
ትራምፕ ነቲ ክስታት ይነጽጎ`ዩ። ነቲ ገበነኛ ዝብል ክሲ፡ ይግባኝ ከም ዝብለሉ`ውን ኣፍሊጡ`ሎ።
ነዚ ኣብዚ ሰሙን`ዚ ዝግበር ፕረዚደንታዊ ክትዕ፡ ባይደን ብድሕሪ ዕጹው ማዕጾ ኮይኑ`ዩ ዝዳለወሉ ዘሎ። ትራምፕ ግን ኣብዚ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት`ኳ ኣብ ጎስጓስ`ዩ ኔሩ። ኣብ ከተማታት ዋሺንግተንን ፊ ላደልፊያን`ውን ተራእዩ ኔሩ። ናብቲ ክትዕ ተሃንጥዩ ከም ዘሎ `ውን ኣይሓበአን።
ኣብ መንጎ ዘረብኡ`ውን ንደገፍቱ፡ ንባይደን ክብድሆ ከሎ ኣቀራርብኡ ከመይ ክኸውን ከምዘለዎ ይሓቶም ኔሩ።
"ኣብ ታሪኽ ዝሓመቐ ፕረዚደንት ምዃኑ ንምርኣይ ብዘይ ንሕስያ ከዋርዶ`ዶ ይመስለኩም፧ ወይስ ሃዲአን ሕያዋይ ኮይነን ንክዛረብ ክገድፎ?“
ሪፓብሊካዊ ሕጹይ ምዃኑ ትጽቢት ዝግበረሉ ፕረዚደንት ነበር፡ ዶናልድ ትራምፕ፡ ብዛዕባ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ዘለዎ መርገጽ`ውን ንኣድመጽቱ ኣዘኻኺሩ ኔሩ፡፡
"ኣብ ቀዳመይቲ መዓልተይ፡ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ዝሰፍሐ ወፍሪ ጥረዛ ክንጅምር ኢና። ካልእ ምርጫ የብልናን፡፡“
ፕረዚደንት ባይደን ብወገኑ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ደቡባዊ ዶብ ኣመሪካ፡ መስርሕ ምዝገባ ሓተትቲ ዑቕባ ደረት ጌርሉ`ሎ፡፡
እንተኾነ ዝሓለፈ ሰሙን ድማ ሓዲሽ መምርሒ ኣውጺኡ`ሎ፡ ንኣመሪካዊ ዜግነት ዘለዎ ሰብ ዝተመርዖ ዘይሕጋዊ ስደተኛ፡ ዜግነት ክረክበሉ ዘኽእሎ ዕድል ከፊቱ`ሎ።
ኣብ ተለቭዥን ኤን.ቢ.ሲ ዝቐረበ ኣወሃሃዲ ወፍሪ ምርጫ ባይደን ሚች ላንድሪው ፡ ነቲ ዘሎ ጸገመ ኢሚግረሽን ንትራምፕን ሪፓብሊካንን ተሓተቲ ይገብር፡፡
"እቲ ዶብ ኣብ ጸገም `ዩ ዘሎ። ን 20 ወይ 30 ዓመታት ኣብዛ ሃገር ዝጸንሐ ጸገም`ዩ። ጆ ባይደን ኣብ ቀዳማይ መዓልቱ ሓደ ኣጠቓላሊ ዝኾነ እማመ ምምሕያሽ ኢሚግረሽን ናብ ኮንግረስ ኣቕሪቡ`ዩ። ኣብኡ ግን ወላ ሓንቲ ኣይገበሩን።”
ኣብዚ ናይ ሓሙስብሲ.ኤን.ኤን ዝምራሕ ቀዳማይ ፕረዚደንታዊ ክትዕ፡ ባይደንን ትራምፕን ካብ ኢሚግረሽን ወጻኢ ካልእ ኣሿኽ ሕቶታት ክቐርቦም `ውን ትጽቢት ይግበር።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
ቅጥዒ