ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈላሚ ፕረዚደንታዊ ክትዕ ሃሪስን ትራምፕን -- ብሓጺሩ


ክትዕ ሕጹያት ፕረዚደንታውያን ተወዳደርቲ ምኽትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስን ናይ ቅድም ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን ሎሚ ሰሉስ ምሸት ኣብ መደበር ቴለቪዥን ኤቢሲ ብቐጥታ ተፍንዩ። ኣቐዲሙ ኣብ መንጎ ናይ እዋኑ ተወዳደሪ ፕረዚደንት ባይደንን መወዳድርቱ ዶናልድ ትራምፕን ዝተኻየደ ቀጥታዊ ክትዕ፡ ካብቲ ቀንዲ ድፍኢት ንምስሓብ ባይደን ካብቲ ውድድር ዝገበረ’ዩ።

ተወዳደርቲ ብኣካል ብቐረባ ክራኸቡ ንፈለማኦም ምዃኖም መራከቢታት ጸብጺበን። ፈለማ ንተወዳደርቲ ዝቐረበሎም ሕቶ ኣብ ጉዳይ ቍጠባ’ዩ።

ካማላ ሃሪር ኣብ መልሳ፡ ካብ ሰራሕተኛታት ስድራቤት ከም ዝመጽእት መጠን ንመነባብሮ ድኻታት ኣመሪካ ብቐረባ ከም እተድምጽ ብምጥቃስ፡ ምምሕዳራ፡ ንሃብታማት ዝያዳ ግብሪ ኣኽፊልካ ነቶም ድኻታት ከም ዝማቓራሕ ምግባር’ዩ ክኸውን ኢላ። “ንኣሽቱ ንግዲ ክጅምሩ ንዝደልዩ ናይ 50-ሽሕ ዶላር ድጋፍ ክገብር መደብ ኣሎኒ፡” ኢላ።

ኣብ እዋን ምምሕዳሩ ዝቕባበ ቍጠባ ከም ዘይነበረ ዝጠቐሰ ዶናልድ ትራምፕ ብወገኑ፡ ሕጂ ኣመሪካ ኣብ ዝኸፍአ ቍጠባዊ ደረጃ ኣላ ድሕሪ ምባል፡ ካብቲ ነቲ ቍጠባዊ ቅልውላው ዘግድዶ ዘሎ ድማ ዋሕዚ ስደተኛታትን ብኣታቶም ንስራሕ ኣመሪካውያን ምውሳድ’ዩ ኢሉ።

ብኣዝዩ ዓቃባዊ ትካል ትካል ሀሪተጅ ከም ዝተዳለወ ዝግለጽ፡ ብፕሮጀክት 2025 ዝብል ዝጽዋዕ፡ ነዊሕ ከዛረብ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ኣብዚ ጉዳይ፡ ሃሪስ፤ “መደባት ትራምፕ እንታይ ምዃኑ ድሮ ፈሊጥናዮ ኣሎና። ፕሮጀክት 2025 ንምትግባር’ዩ፡” ክትብል እንከላ፡ ትራምፕ ብወገኑ፤ “ኣነ ብዛዕባ’ዚ መደብ ዝፈልጦ የብለየን። ኣየንበብኩዎን’ውን ከንብቦ’ውን ኣይደልን፡” ክብል ኣሕጺሩ መሊሱ።

ጉዳይ ፍርያምነትን መሰል ምንጻል ጥንሲን ካብቲ ንኽልተ ሰልፍታት ዘከራኽር ኰይኑ ትራምፕ፡ “ምኽትላ ኰይኑ ተሓርዩ ዘሎ (ቲም ዎልዝ) ምንጻል ጥንሲ ኣብ ትሽዓተ ወርሒ’ውን ቅኑዕ’ዩ ኢሉ ዝሓስብ’ዩ። ኣነ ግን ኣብ ፍሉይ ኩነታት ምንጻል ጥንሲ ዘፍቅድ’የ። ስለዚ ምርጫ ነፍሲ-ወከፍ ክፍለ-ሃገር ዝምርኰስ ክኸውን’ዩ፡” ብምባል መርገጺኡ ክሕብር እንከሎ፡ ሃሪስ ብወገና ፈለማ ናብዚ ደረጃ ዘብጽሐ ምሽያም ሰለስተ ደያኑ ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ፕረዚደንት ኰይና ምስ እትምረጽ እቲ መሰል ምንጻል ጥንሲ ክትመልሶ ምዃና ቃል ኣትያ።

ቅድሚ ሎሚ ትራምፕ ንኲናት ዩክሬን ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ምወዳእኩዎ ኢሉ ነይሩ። ብዛዕባ’ዚ ፈለማ ዝተሓተተ ትራምፕ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ልዕሊ ግቡኣ ክፍሊት ከም ተዋጽእ ከም ዘላ ብምጥቃስ፡ ንሱ እንተ ተመሪጹ ግን ምስ ፑቲን ዘለንስኪን ጽቡቕ ዝምድና ስለ ዘለዎ ነቲ ኲናት ቀልጢፉ ክዛዝሞ ምዃን ደጊሙ ገሊጹ። ንሱ ግን ብዘተ ምዃኑ’ዩ ኢሉ። ሃሪስ ብወገና ኣባል ሃገራት ኔቶ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ እምነት ከሕድሩ ኣድላዪ ምዃኑ ብምግላጽ፡ እቲ ፍታሕ ንፑቲን ከም ድላዪ ከይወርር ስቕ ኢልካ ዘይምርኣይ’ዩ ኢላ።

ተወዳደርቲ ንኽልተ ወገናት ኣብ ዘፈላሊ ጉዳያት ከም ጉዳይ ማእከላይ ምብራቕ፡ ጉዳይ ሓለዋ ዶባት፡ ማእከላይ ምብራቕን፡ ሰለማዊ ምስግጋር ስልጣንን ወዘተን’ውን ሓሳባቶም ሂቦም።

ብመሰረት ዳህሳስ ህዝባዊ ርእይቶ ኣመሪካ፡ ክልተኦም ተወዳደርቲ ማዕረ’ዮም ዘለዉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG