ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ባይቶ ጸጥታ ለውጢ እንተዘየተኣታት'ዩ ኣፍሪቃ ካብ ሕ/ሃ ክትወጽእ'ያ ይብሉ ፕረዝ. ሙጋቤ


ናይ ዚንባበወ ፕረዝደንት ሮበርት ሙጋቤ ንዝሓለፈ ዓመት ሒዞሞ ዝነበሩ ስልጣን ኣቦ-መንበርነት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዘረከብሉ እዋን ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕ/ሃ ለውጢ እንተዘይሓልዩ ኣፍሪቃ ሓደ መዓልቲ ካብ ሕ/ሃ ክትወጽእ’ያ ኢሎም። ኣፍሪቃ ኣብቲ ባይቶ ጸጥታ ቀዋሚ ኣባል ኣይኮነትን።

ፕረዝደንት ሙጋቤ ናብ ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ባንኪ ሙን ኣብ ዘቅነዓን ኣብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተካየደ ኣኬባ ሕብረት ኣፍሪቃ’ዮም እዚ ዝተዛረቡ።

‘ንክብርናን መንነትና ክንቃለስ ኢና። ከም ኣፍሪቃዊያን ንሕብረትናን ስብእናናን ክንቃለስ ኢና። ካልኦት ናይ ብሓቂ ኣባላት ንሕና ከአ አርቲፊሻል ኣባላት ኢና። በዚ ክንቅጽል ኣይንክእልን። ብኸመይ ብኣጻብዕቲ ዝቁጸሩ ጥራይ ንባይቶ ጸጥታ ዝቆጻጸርዎ ኣሜሪካን ኣውሮጳዊያን ጥራይ’ዮም። ሕ/ሃ ክነብር እንተደአ ኮይኑ መሰል ማዕረ ኣባልነት ክህልወና ኣለዎ’ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG