ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ትራምፕ ምስ ፕረ. ፑቲን ብስልኪ ተዘራሪቦም


ፕረዚደትን ትራምፕን ፕረዚደንት ፑቲንን- ፋይል
ፕረዚደትን ትራምፕን ፕረዚደንት ፑቲንን- ፋይል

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ምስ መራሒ ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ኣብ ዩክሬን ዘሎ ኲናት ንምዕራፍ ሎሚ ረቡዕ ብስልኪ ከም ዝተዘራረቡ ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ኣካፊሎም። ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብቲ ማሕበራዊ ገጻት ከም ዝገለጹዎ፡ ካብ ክልቲኡ ወገናት ዝተዋጽኡ ኣባላት ረቚሖም ንመስርሕ ዘተ ክጅምሩ ክልተ መራሕቲ ተሰማሚዖም ኣለዉ። ፕረዚደንት ዩክሬን ቮልድሜር ዘለንስኪ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ መብርሂ ክወሃቦን ተሳትፎኡ ድማ ክህሉ ምዃኑን’ውን ፕረዚደንት ትራምፕ ወሲኾም ገሊጾም።

ፕረዚደንት ትራምፕ ንጉዳይ ሽምግልና ክመርሑ ንሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ፣ ዋና ዳይረክተር ማእከል ስለያ ኣመሪካ ጆን ራትክሊፍ፣ ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ማይክል ዎልዝን ፍሉይ ልኡኽ ኣምባሳድር ስቲቭ ዊትኮቭን መዚዞም ከም ዘለዉ ኣመልኪቶም።

ፕረዚደንት ትራምፕ ዝርዝር ናይቲ ከይዲ ዕርቂን ምዝዛም ኲናትን ኣየካፈሉን።

ፕረዚደንት ትራምፕ ካብ ቅድሚ ምርጫ ኣትሒዞም ንዂናት ዩክሬን ቀልጢፎም ናብ መዛዘሚ ከብጽሑዎ ምዃኖም ቃል ክኣትዉ ጸኒሖም’ዮም።

ኣብ ተመሳሳሊ ምዕባለ ኣብ ብራስለስ ምስ መራሕቲ ሚኒስተራት ምክልኻል ኣባላት ሃገራት ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ርክብ ዘካይድ ዘሎ ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ፒት ሄግሰት፡ ዩክሬን ናብቲ ኪዳን እትጽንበረሉ መንገዲ ከም ዘይርኣዮም ብምጥቃስ፡ “ዶባት ዩክሬን ናብ ቅድሚ 2014 ዝነበሮ ምምላስ’ውን ዘይመስል’ዩ፡” ኢሉ። እንተዀነ እቲ ሚኒስተር ምክልኻል ልኡላውነት ዩክሬን ክኽበር’ውን ከም ዘለዎ ጸቒጡ ተዛሪቡ።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG