ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ሎሚ ምሸት መደረ 'ኩነተ-ሃገር' ከስምዑ’ዮም


ፋይል
ፋይል

ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ሎም ምሸት ንኣብያተ ምኽሪ ክልቲኡ ፓርትታትንን ህዝቢ ኣሜሪካን ፈላማይ መደርኦም ከስምዑ እዮም።ፕረዝደንት ትራምፕ ንምክልኻል ሃገር ዝውዕል ገንዘብ ምውሳኽን ምንካይ ንሃገራት ወጻኢን ኣብ ውሽጢ ሃገር ንረድኤት ዝስላዕ በጀት ብዝምልከት መደረ ከስምዑ ትፅቢት ይግበር።

ፕረዝደንት ትራምፕ ኣብ ኮንግረስ ብዛዕባ ዘስምዕዎ መደረ ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዘተኣናገድዎ ናይ ኣመሓደርቲ ክፍለግዝኣታት ድራር ከምዚ ኢሎም ነይሮም።

“እቲ ዝስላዕ በጀት ንዝኣተኹዎ መፅብዓ ዝመስል እዩ።ኣሜሪካዊያን ድሕነቶም ክሕሎ፣ግብረ ሽበራዊያን ክወፁ፣ገበነኛታት ክባረሩ፣ናብ ቤት ማእሰርቲ ክኣትው ወይ ካብ ሃገርና ክውገዱን ምግባር እዩ።”

ተንታኒ ጆን ፎርቲየርን ምክልኻል ዝውዕል በጀት ምውሳኽን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝምደብ በጀት ካብ ምንካይን ብተወሳኺ ኣባላት ቤት ምኽሪ ካብ ፕረዝደንትት ዶናልድ ትራምፕ ምውራድ ግብርን ፖሊሲ ጥዕና ብዝምልከትን ክሰምዑ ተስፋ ኣለዎም ይብሉ ።

ዴሞክራሲያዊያን ንመብዛሕቲኦም ተበግሶታት ፕረዝደንት ትራምፕ ዝቕበሉ ኣይመስሉን።ሓድሽ ኣቦ መንበር ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ቶም ፔረዝ ከምዚ ይብሉ።

“ዶናልድ ትራምፕ ንኣሜሪካ ደው ዝበልካ ኣይኮንካን።ዶናልድ ትራምፕ ክብርታት ኣሜሪካዊያን ክመቓቐል ኣይክንፈቅድን ኢና፤ከም ፓርቲ ነዚ ኢና ንሰርሕ፤ምስ ክብርታትና ኢና ክንመርሕ።”

ኣባላት ኮንግረስ ናብ ዝተመርፁሎም ከባቢታት ብምምላስ ምስ ነበርቲ ኣብ ቀረባ ኣብ ዘካየድዎም ብርክት ዝበሉ ኣኼባታት ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ቁጥዑኦም ብምግላፅ ኣብ ፖሊሲ ጥዕና ንዝግበር ለውጥታት እውን ሓያል ተቓውሞታት ኣስሚዖም እዮም።

ፕረዝደንት ትራምፕ ግን ካብ ግጥም ድሕር ዝብሉ ኣይመስሉን።ኣንፃር ዴሞክራስያዊያን ጥራሕ ከይኮነስ ምስ ማዕኸናት ዜና እውን ሓዊሱ።


ገለ ሪፓብሊካዊያን ፕረዝደንት ዶናልድ ፕራምን ኣብ ልዕሊ መራኸቢ ብዙሃን ዝፍፀምዎ መጥቓዕቲ ካብ መንገዲ ዘስሕት ዘየድሊ ዕንቅፋት እዩ ክብሉ ይገልፅዎ።

ፕረዝደንትት ትራምፕ ኣብዚ ናይ ሎሚ ናይ ኮንግረስ መደርኦም ድሕሪ ዕግርግር ዝበዝሖ ኣብ ናይ መጀመሪያ ሰሙናት መሪሕነቶም ዘሰክፍ ከምዘየለ ንወሃብቲ ድምጺ መረጋገፂ ንምሃብን ዝተሓተ ሪኢቶ ህዝቢ ክብ ንምባልን ክጥቀምሉ እዮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ፕረ. ትራምፕ ንናይ ክልቲኡ ፓርትታት ቤት ምኽሪ መደረ ከስምዑ’ዮም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:43 0:00


Recommended

XS
SM
MD
LG