ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ ኹናት ኣንጻር ግብረ ሽበራ ኹናት ኣብ መንጎ ሰናይን እከይን’ዩ” ፕረ. ትራምፕ


ፕረዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ስልጣን ካብ ዝሕዙ ንመጀመርያ ጊዜ ኣብ ዘካይድዎ ዘለው ዓለምለኸ ምብጻሕ ሃገራት ኣውሮጳን ማእኸላይ ምብራቕን: ብስዑዲ ዓረብ ጀሚሮም ሎሚ ሶኑይ ድማ እስራኤል ኣትዮም ኣለው።

ኣብቲ ልዑል ትጽቢት ዝተገብረሉ መደረ ፕረዝደንት ትራምፕ ኣብ ስዑዲ ዓረብ እቲ ኹናት ኣንጻር ግብረ ሽበራ “ሰናይ ኣንጻር እከይ ዝካየድ ኩናት እዩ” ኢሎም ድሕሪ ምግላጽ ንኹላቶም ተኸተልቲ እምነት እስልምና ዝኮና ሃገራት ጥሩፍ አተሓሳስባ ሓጊሒጎም ከውጽእዎ ጸዊዖም። ፕረዝደንት ትራምፕ ብተወሳኺ ብዛዕባ ፖሊሲታት ኣሜሪካ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዝበልዎ’ውን ገሊጾም።

ፕረዝደንት ትራምፕ ኣብ`ቲ ንመራሕቲ ተኸተልቲ እምነት እስልምና ዝምልከት መልእኽቶም፡ ብዛዕባ ዕርቅን ብዛዕባ መራሕቲ እምነት እስልምና ዝጽበዮም ግሉጽ ብድሆን ተዛሪቦም።

“ዝሓሸ መጻኢ ክህልው ዝኽእል ሃገራትኩም ንግብረ ሽበራዊያን ንጥሩፋትን ከውጽኡ ምስ ዝኽእሉ’ዩ። ኣውጽእዎም። ካብቲ ኣምልኾ ተኻይድሉ ቦታ’ውን ኣውጽእዎም። ካብ ማሕበረሰብኹም ኣውጽእዎም።”

ፕረዝደንት ትራምፕ ንእምነት እስልምና “ ሓደ ካብ ናይ ዓለምና ዓበይቲ እምነታት” ክብሉ ልዙብ ቋንቋ ክጥቐሙ’ውን ተራእዮም’ዮም።

እዚ ኹናት ኣብ መንጎ ዝተፈላልየ እምነት ወይ ዝተፈላለዩ ወገናት ወይ'ውን ዝተፈላለዩ ምዕባለታት ኣይኮነን እዚ ኩናት ኣብ መንጎ ሰናይን እከይን ዝካየድ ኩናት`ዩ ክብሉ'ውን ተዛሪቦም።

እዚ መደረ ፕረዝደንት ትራምፕ ነቲ ቅድሚ ሎሚ ብዝነበሩ ፕረዝደንትታት ኣሜሪካ ክግለጽ ዝጸንሓ ስግኣት ሰብኣዊ መሰላት ዝነደሩ መራሕቲ ሃገራት ዓረብ’ውን መተኣማመኒ ዝህብ`ዩ።

“ ኣብዚ ዘለና ንሰባት ትምህርቲ ክንህብ ኣይኾናን። ብኸመይ ህይወቶም ከምዝመርሑ፡ ብኸመይ ከምዝነብሩ፡ ብኸመይ ከምዘምልኹ ክነግር ኣይኮናን። ብኣንጻሩ ሸርኽነት ንምምስራትን ሓባራዊ ተገዳስነትን ክብርታትን ንምክፋልን ኢና ኣብ`ዚ ዘለና”

እዚ መደረ ፕረዝደንት ትራምፕ ካብቲ ኣብ 2009 ዓ.ም. ፕረዝደንት ባራክ ኦባማ ኣብ ካይሮ “ሓድሽ ጅማረ” ንተኸተልቲ እምነት እስልምና ዝኾነ ዓለምን ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ዝበልዎ ዝተፈልየ`ዩ ኔሩ።

ከምኡ`ውን መደረ ፕረዝደንት ትራምፕ ካብቲ ኣብ እዋን ወፍሪ ምረጹኒ ዝጥቐምሉ ዝነበሩ” ምስልምና ይጸልኣና እዩ” ዝበልዎን ነቲ ዘቕረብዎ “ምሉእ ንምሉእ ምዕጻው” ምእታው እመንቲ እስልምና ናብ ኣሜሪካ ዝብል ረቒቅ’ውን ዝጻረር’ዩ።

ፕረዝደንት ትራምፕ ኣብቲ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝኻየድዎ ናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ንጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ፍጹም ኣየልዓሉን። በኣንጻሩ ኣብ ንግድን ኣብ ንግዲ ኣጽዋር ዘተኾረ ‘ዩ ኔሩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG