ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ትራምፕ ንምብታኽ ዝምድና ሃገራት ዓረብ ምስ ኳታር ምዒዶም


ፕረዝዳንት ዶናልድ ትራምፕ ቀንዲ ሃገራት ዓረብ ንጉጅለታት ግብረ ሽበራ ትድግፍ ኣላ ብዝብል ንኳታር ንምግላል ዝወሰድኦ ስጉምቲ ትማሊ ሰሉስ ብዝፅሓፉዎም ተኸታታሊ ናይ ትዊተር መልእኽቶም ምዒዶም።

ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ምስ ዓሚር ኳታር ኣብዝተራኸብሉ እዋን ርክብ ክልቲአን ሃገራት “ኣዚዩ ፅቡቕ’’ ክብሉ ገሊፆምዎ ነይሮም።

እዚ ኽልቲአን መሻርኽርቲ ንነዊሕ እዋን ክጥቀማሉ ዝፀንሓ ቋንቋ ስለዝኾነ እዩ ብዙሓት በዚ ናይ ትራምፕ መልእኽቲ ዝተገረሙ።

ትራምፕ ኣብ ናይ ትማሊ ሰሉስ ናይ ትዊተር መልእኽቶም ንኳታር ብምንፃለን ንብዙሓት ሃገራት ዓረብ ደገፎም ገሊፆም።ስዑዲ ዓረቢያ ሓዊሱ ካልኦት ሃገራት ዓረብ ኣብዚ ሰሙን እዚ ዲፕሎማሲያዊ ርክበን ምስ ኳታር በቲኸን ኣለዋ።

ኳታር ንኢራንን እስላማዊ ጉጅለታትን ትድግፍ ኣላ ብዝብል ምስሕሓብ ምኽንያት ኩሉ ዓይነት ጉዕዞ ናብን ካብን ኳታር ኣጊደን ኣለዋ።ኣብ መንጎ ኳታርን ጎረባብታን ነዊሕ ዝፀንሐ ምስሕሓብ ተጉሃሂሩ ምቕፃሉ ንኣሜሪካ ዓብዪ ትርጉም ኣለዎ።ምኽንያቱ ኳታር ን11ሽሕ ወታደራት ኣሜሪካ ዘተኣናግድ መደብር ሓይሊ ኣየር ዝፈቐደት ስለዝኾነት ኣንፃር ዳዒሽ ንዝካየድ ውግእ ወሳኒ መደብር እዩ ይብሉ ንሓይልታት ኳታር ኣብ ምስልጣን ዝሓገዙ ኣንድሪያስ ክሪየግ።

“እዚ ግዙፍ ወታደራዊ መደብር እዩ።ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዝዓበየ መደብር እዩ።መብዛሕቲኦም ኣብ ኣፍጋኒስታን፣ዒራቕ፣የመንን ሶሪያን ንዝካየዱ ስርሒታት ነፈርቲ ካብዚ እየን ዝልዓላ።ኣዚዩ ወሳኒ እዩ።”

ንሶም ከምቲ ፕረዝደንት ትራምፕ ዝበሉዎ ኣሜሪካ ንኳታር ኣብ ምግላል ተሳቲፋ እንተኾይና ይጠራጠሩ።

ብመሰረት ንነዊሕ ግዜ ኣማኻሪ ፔንታጎን ኮይኖም ዝሰርሑ ኣንቶኒ ኮርድስማን፡ፕረዝደንት ትራምፕ ናይ ባዕሎም ኣካላት ሃገራዊ ፀጥታ ኣብ ልዕሊ ኳታር ዝተጠቐምሉ ከቢድ ቋንቋ ዝድግፉ እንተኾይኖም እውን ሕቶታት ኣለው።

ሚኒስትር ምክልኻል፣ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣማኻሪ ሃገራዊ ፀጥታን ነዚ ደጊፎምዎ እንተኾይኖም ንፁር ኣይኮነን ይብሉ።

ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣሜሪካ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብዝለኣኾ መግለፂ ኣብ መንጎ መሻርኽቶም ዝኾና ሃገራት ዓረብ ዝተፈላለዩ ኣረኣእያታት ምህላዎም ከምዝርድኡ ብምግላፅ ኣሜሪካ ወታደራዊ መደብራት ክህልዋ እተን ሃገራት ንነዊሕ እዋን ምፍቃደን ምስጋንኣ ትገልፅ ኢሎም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ እውን ኳታር ንጉጅለታት ግብረ ሽበራ ሓገዝ ገንዘብ ንከይረኽቡ ኣብ ምግባር ምዕባለ ኣርእያ እያ፤ ብዙሕ ዝተርፍ ግን ኣሎ ኢሉ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ፕረ. ትራምፕ ንምብታኽ ዝምድና ሃገራት ዓረብ ምስ ኳታር ንዒዶም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:53 0:00

XS
SM
MD
LG